2Chronicles (27/36)  

1. ዮታም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ፡ ስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ።
2. ንሱ ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይኣተወን እምበር፡ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድም እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። እቶም ህዝቢ ግና ይእብሱ ነበሩ።
3. ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሔ፡ ኣብ መካበብያ ዖፌልውን ብዙሕ ሰርሔ።
4. ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ከተማታት ሰርሔ፡ ኣብ ዱር ከኣ ዕርድታትን ግምብታትን ሰርሔ።
5. ንሱ ኸኣ ምስ ንጉስ ደቂ ዓሞን ተዋጊኡ ሰዐሮም እሞ፡ በታ ዓመት እቲኣ እቶም ደቂ ዓሞን ሚእቲ ታለንት ብሩርን ዓሰርተ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዓሰርተ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ሀብዎ። እቶም ደቂ ዓሞን በታ ኻልኣይትን ሳልሰይትን ዓመት ከኣ ከክንድዚ ሀብዎ።
6. ዮታም መገድታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ስለ ዘቕንዔ ድማ፡ በርትዔ።
7. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ ውግኡን መገድታቱን ከኣ፡ እንሆ፡ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ።
8. ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝኤ።
9. ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ።

  2Chronicles (27/36)