2Chronicles (26/36)  

1. ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንዑዝያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዱ ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ።
2. ንሱ ንኤሎት ሰርሓ፡ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ብዝደቀሰ ድማ፡ ናብ ይሁዳ መለሳ።
3. ዑዝያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
4. ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።
5. እቲ ናይ ኣምላኽ ራእይ ዜስተብህል ዘካርያስ ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ንኣምላኽ ይደልዮ ነበረ። ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ኸሎ ድማ፡ ኣምላኽ የቃንዓሉ ነበረ።
6. ወጺኡ ኸኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ እሞ ፡ ንመካበብያታት ጋትን መካበብያታት ያብነን መካበብያታት ኣሽዶድን ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣሽዶድን ኣብ ማእከል ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ከተማታት ሰርሔ።
7. ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጉር በዓል ዚነብሩ ዝነበሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ መዑናውያንን ከኣ ኣምላኽ ሀገዞ።
8. ዓሞናውያን ድማ ንዑዝያ ህያባት ሀብዎ፡ ንሱ ብዘይ ልክዕ በርትዔ እሞ፡ ስሙ ኽሳዕ ግብጺ ኸደ።
9. ዑዝያ ድማ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ደገ መኣዝንን ኣብ ልዕሊ ደገ ለሰን ኣብ ልዕሊ መኣዝንን ግምብታት ሰርሔ ኣጽንዖውን።
10. ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ድማ ብዙሓት ከብቲ ነበራኦ እሞ፡ ኣብ በረኻውን ግምብታት ሰርሔ፡ በዙሕ ሓጽብታት ከኣ ኰዐተ። ፈታው ማሕረስ ድማ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣኽራንን ኣብቲ ፍርያም ግርሁን ሓረስቶትን ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ።
11. ዑዝያ ኸኣ ንውግእ እተማህረ ሰራዊት ነበሮ። ንሱ ኸምቲ የዒኤል እቲ ጸሓፍን ማዓስያ እቲ ኻብቶም ሓላቑ ንጉስ፡ ዝጸሐፍዎን ዝቘጸርዎን ጭፍራታት ተሰሪዖም ናብ ውግእ ይወጹ ነበሩ።
12. ብዘሎ ቚጽሪ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ክልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ።
13. ኣብ ትሕቲ ኢዶም ድማ ንጉስ፡ ንጸላኢ ንምውጋእ ዚሕግዞ፡ ሰለስተ ሚእትን ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓያልን ጅግናን ዝዀነ ሰራዊት ነበሮ።
14. ዑዝያ ኸ ኣንብዘሎ እዚ ሰራዊት ዋላቱን ኲናውትን ቊራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዚውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ።
15. ኣብ የሩሳሌም ድማ ፍላጻታትን ዓበይቲ ኣእማንን ዚውርውረሉ ብብልሓት ብልሃተኛ እተገብረ መሳርያታት ኣብ ግምብታትን ኣብ መኣዝናትን ዚዀና ነበረ። ክሳዕ ዚብርትዕ ብዜደንቕ ተረዲኡ ነበረ እሞ፡ ስሙ ኽሳዕ ርሑቕ ወጸ።
16. ምስ ሰልጠነ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዐበየሉ። ናብቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ፡ ኣብተ መሰውኢ ዕጣን ኪዐጥን ኢሉ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ።
17. ካህን ኣዛርያ፡ ምስኡ ሰማንያ ተብዓት ክህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪኡ ኣተወ።
18. ንሳቶም ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተዛረብዎ፡ ዎ ዑዝያ፡ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዐጥኑ እተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኰነን። በዲልካ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ እሞ፡ ካብ ቤት መቅደስ ውጻእ።
19. ሽዑ ዑዝያ ዀረየ፡ ነታ ዚዐጥነላ ጽንሃህ ከኣ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ኪዂርየሎም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምጺ ወጸቶ።
20. ሊቀ ኻህናት ኣዛርያን ኲሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ግምባሩ ለምጻም ነበረ እሞ፡ ካብኡ ተቐላጢፎም ኣውጽእዎ። እግዚኣብሄር ስለ ዝቐጽዖ ባዕሉውን ቀልጢፉ ወጸ።
21. ንጉስ ዑዝያ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምጻም ነበረ። ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ለምጻም ኰይኑ ኣብ ፍልይቲ ቤት ተቐመጠ። ወዱ ዮታም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ንጉስ ነበረ። ንህዝቢ እታ ሃገርውን ይፈርድ ነበረ።
22. እቲ ዝተረፈ ናይ ዑዝያ ነገር ከኣ፡ ቀዳማዮን ዳሕራዩን፡ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ጽሒፍዎ ኣሎ።
23. ዑዝያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱውን ቀበርዎ። ንሱ ለምጻም ነበረ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣብታ ናይ ነገስታት መቓብር ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮታም ነገሰ።

  2Chronicles (26/36)