2Chronicles (25/36)  

1. ኣማስያ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲእሪ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ።
2. ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ግናኸ ብምሉእ ልቡ ኣይኰነን።
3. ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም።
4. ግናኸ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ብሰሪ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።
5. ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደው ኣበሎም፡ ንብዘላ ይሁዳን ብንያምን መምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ከኣ ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘጸሮም፡ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ዚወጹ ዘበሉ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ከም ዝዀኑ ረኸቦም።
6. ብሚእቲ ታለንት ብሩር ገይሩ፡ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ።
7. ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ናብኡ መጺኡ በሎ፡ ዎ ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምስ እስራእሕአል፡ ምስ ብዘለዉ ደቂ ኤፍሬም ኣይኰነን እሞ፡ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ።
8. ክትከይድ እንተ ደሌኻ ግና፡ ኪድ። ኣብ ውግእ በርትዕ። ግናኸ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ጸላእቲ ኼውድቐካ እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ንምርዳእ ኰነ ወይ ንምጥፍእ ስልጣን ኣለዎ።
9. ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በቲ ንጭፍራ እስራኤል ዝሀብክዎም ሚእቲ ታለንትኸ እንታይ ይገበር በሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ ካብኡ ዚበዝሕ እግዚኣብሄር ኪህበካ ይኽእል እዩ፡ በለ።
10. ሽዑ ኣማስያ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመጹ ጭፍራ ናብ ስፍራኦም ኪኸዱ ፈለዮም። ግናኸ ቊጥዓኦም ኣብ ይሁዳ ኣዝዩ ተናደደ፡ ብእተናደደ ቚጥዓ ኸኣ ናብ ስፍራኦም ተመልሱ።
11. ኣማስያ ድማ ተቢዑ ንህዝቡ ኣውጽኤ፡ ናብ ለሰ ጨው ከይዱ ኸኣ፡ ካብ ደቂ ሰዒር ዓሰርተ ሽሕ ወቕዔ።
12. እቶም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ብህይወቶም ሒዞም፡ ናብ ርእሲ ሓንቲ ኸውሒ ኣደየብዎም፡ ካብ ርእሲ እታ ኸውሒ ድማ ንቚልቁል ኣጽደፍዎም፡ ኲሎም ከኣ ተጨፍለቑ።
13. እቶም ኣማስያ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይከዱ ዘሰናበቶም ሰባት ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፡ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤት ሖሮን፡ ሓደጋ ወደቑወን እሞ ኣባታተን ሰለስተ ሽሕ ቀተሉ፡ ብዙሕ ምርኮውን ማረኹ።
14. ኰነ ድማ፡ ኣማስያ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ኪመለስ ከሎ፡ ኣማልኽቲ ደቂ ሰዒር ተማልኤ፡ ኣማልኽቱ ኪዀኑ ድማ ኣቘሞም፡ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰገደ፡ ዕጣንውን ዐጠነሎም።
15. ሽዑ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ኣማስያ ተናደደ እሞ፡ ሓደ ነብዪ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ህዝቦም ካብ ኢድካ ዘየድሐኑ ኣማልኽቲ እዞም ህዝቢ ዝደሌኻዮም በሎ።
16. ኰነ ድማ፡ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ፡ ናይ ንጉስ መኻሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና ግደፍ፡ ንምንታይ ክትቅተል እትደሊ በሎ። እቲ ነብዪ ድማ፡ ምኽረይ ብዘይ ምስማዕካ እዚ ኻብ ገበርካስ፡ ኣምላኽ ኬጥፍኣካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ፡ ኢሉ ገደፎ።
17. ሽዑ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ምኽሪ ምስ መኸረ፡ ናብ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ወዲ የሁ፡ ሰዲዱ፡ ንዓ እሞ ገጽ ንገጽ ንርእኤ፡ በሎ።
18. ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ግና ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸምዚ በሎ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓልካ ሀቦ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። እቶም ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት መሮር ድማ ሐለፉ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጽዎ።
19. እንሆ፡ ንኤዶም ስዒረያ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ልብኻስ ኬኽብረካ ኢሉ ተዐበየ። ሕጂ ኣብ ቤትካ ተቐመጥ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ፡ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ፡ ክትወድቕስ ኣብ መከራ እትኣቱ
20. ንኣማልኽቲ ኤዶም ስለ ዝደለይዎም ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኪህቦም መዲቡ ነበረ እሞ፡ በዚ እዩ ኣማስያ ነዚ ዘይሰምዔ።
21. ሽዑ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት ሸመሽ ንገጽ ተራኣኣዩ።
22. ግናኸ ይሁዳ ኣ ብቅድሚ እስራእሕአል ተሳዕረ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ድንኳኑ ሀደመ።
23. ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ድማ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤት ሸመሽ ሐዞ፡ ናይ የሩሳሌም ከኣ ኣምጽኦ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ።
24. እቲ ምስ ዖቤድ ኤዶም ዝነበረ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝሆ ዚዀኑ ደቅን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
25. ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮኣስ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሔ።
26. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሃፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልንዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
27. ድሕሪ እታ ኣማስያ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሐቐላ ጊዜ ኣብ የሩሳሌም ማሕላ ተማሓሐሉሉ። ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሀደመ። ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ልኢኾም ከኣ ኣብኣ ቐተልዎ።
28. ኣብ ኣፍራስ ሰቒሎም ወሰድዎ፡ ኣብ ከተማ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ።

  2Chronicles (25/36)