2Chronicles (24/36)  

1. ዮኣስ ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤር ሸባዕ እያ።
2. ዮኣስ ከኣ ብዂሉ ዘመን እቲ ኻህን ዮያዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ።
3. ዮያዳ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።
4. ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዮኣስ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኪሕድሳ ሐሰበ።
5. ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ድማ፡ ናብተን ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንምሕዳስ ቤት ኣምላኽኩም ዚኸውን ገንዘብ ካብ ብዘሎ እስራኤል ኣክቡ፡ በዚ ነገር እዚ ኸኣ ቐልጥፉ፡ በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ኣይቀልጠፉን።
6. ሽዑ እቲ ንጉስ ንሊቀ ኻህናት ዮያዳ ጸዊዑ በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነቶም ሌዋውያን እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንማሕበር እስራኤል ዝሐገገላ ግብሪ ድንኳን ምስክር ካብ ይሁዳን ካብ የሩሳሌምን ኬምጽኡ ዘይገደድካዮም
7. ነታ ቤት ኣምላኽስ፡ ደቂ ዓታልያ፡ እታ ረሲእ ሰበይቲ፡ ኣበላሽዮምዋ እዮም፡ እቲ ንቤት እግዚኣብሄር እተቐደሰ ዘበለ ዂሉ ድማ ንበዓላት ገይሮምዎ እሮኦም።
8. እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ እሞ፡ ሓደ ሳጹን ገይሮም ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ኣቐመጥዎ።
9. ድማ እቲ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ በረኻ ዝሐገገሎም ግብሪ ናብ እግዚኣብሄር ኬእትዎ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ኣወጁ።
10. ኲሎም ሓላቑን ብዘለዉ ህዝብን ከኣ ተሐጒሶም ገንዘብ ኣምጽኡ እሞ ኽሳዕ ዚውዳእ ናብቲ ሳጹን ኣእተውዎ።
11. ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ሳጹን ብኢድ እቶም ሌዋውያን ናብቶም ቈጸርቲ ንጉስ ዜምጽኡሉ ጊዜ ምስ በጽሔት፡ ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ናይ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ናይ ሊቀ ኻህናት ቈጻርን መጹ፡ ነቲ ሳጹን ገልቢጦም ከኣ ናብ ቦታኡ መለስዎ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ገበሩ እሞ ብዙሕ ገንዘብ ኣከቡ።
12. ንጉስ ዮያዳን ድማ እዚ ነቶም ነቲ ዕዮ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዚዐዩ ዝነበሩ ሀብዎም። ንምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ወቐርትን ጸረብትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ዓብየይቲ ሓጺንን ኣስራዝን ተወዓዐሉሉ።
13. እቶም ዓየይቲ ኸኣ ይዐዩ ነበሩ፡ እቲ ዕዮ ድማ ብኢዶም እናወሰኸ ሰልጠነ እሞ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ከምታ ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐርዮም ኣጽንዕዋ።
14. ምስ ወድኡ ኸኣ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ቅድሚ ንጉስን ዮያዳን ኣምጽእዎ፡ ካብኡ ድማ ቓሑ ንቤት እግዚኣብሄር፡ ኣቓሑ ንኣገልግሎትን ንዚሐርር መስዋእትን፡ ማናኩን ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮያዳ ኽሳዕ ዘሎ ኸኣ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኲሉጊዜ ዚሐርር መስዋእቲ የዕርጉ ነበሩ።
15. ዮያዳ ግና ሸምገለ፡ ዕድመ ጸጊቡ ድማ ሞተ። ንሱ ኺመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ።
16. ኣብ እስራኤል ንኣምላኽ ነታ ቤቱን ጽቡቕ ሰል ዝገበረሎም ድማ፡ ምስቶም ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ።
17. ድሕሪ ሞት ዮያዳ ግና እቶም ሓላቑ ይሁዳ መጺኦም ንንጉስ ፍግም በሉሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም።
18. ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎም ድማ ንኣስታርቴታትን ጣኦታትን ኣገልገሉ። በዚ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቊጥዓ መጸ።
19. ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኼምልስዎም ድማ፡ ንሱ ነብያት ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ይገንሕዎም ነበሩ፡ ግናኸ ኣይሰምዕዎን።
20. ዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮያዳ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ለበሰ እሞ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣምላኽ ከምዚ ይብለኩም ኣሎ፡ ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዘፍረስኩም ሰናይ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሐደግኩምዎ፡ ንሱ ኸኣ ሐዲጉኩም እዩ።
21. ሽዑ ንእኡ ተማሓሐሉሉ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ድማ ኣብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።
22. ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ ዮያዳ ዝገበረሉ ምሕረት ኣይዘከሮን፡ ነቲ ወዱ ደኣ ቐተሎ። ንሱ ግና ኪመውት ከሎ፡ ነዝስ እግዚኣብሄር ይርእዮ ይድለዮውን ነበረ።
23. ኰነ ድማ፡ እታ ዓመት ምስ ሐለፈት፡ ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ደየበ እሞ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣትዮም ንብዘለዉ ሓላቑ ህዝቢ ኻብቲ ህዝቢ ኣጥፍእዎም። ንዂሉ እቲ ምርኮኦም ከኣ ናብቲ ንጉስ ኣብ ደማስቆ ሰደድዎ።
24. እቲ ሰራዊት ሶርያ ምስ ሒዶት ጭፍራ ሰብ መጸ። እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎምዎ ስለ ዝነበሩ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ብዙሕ ሰራዊት ኣብ ኢዶም ሀቦም። ነቲ ፍርዲ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዮኣስ ኣውረድዎ።
25. እዚኣቶም ካብኡ ምስ ከዱ ኸኣ፡ ንሱ ኣዝዩ ሐሚሙ ኸሎ ሐዲጎምዎ ነበሩ፡ ገላውኡ ብምኽንያት ደም ደቂ ኻህን ዮያዳ ተማሓሐሉሉ፡ ኣብታ ዓራቱ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ኣብ ከተማ ዳዊት ቐበርዎ፡ ግናኸ ኣብ መቓብራት ነግስታት ኣይቀበርዎን።
26. እቶም እተማሓሐሉሉ ድማ ዛባድ፡ ወዲ ሺምዓት ዓሞናዊትን ዮዛባድ፡ ወዲ ሺምሪት ሞኣባዊትን እዮም።
27. ብናይ ደቁን ብናይ ብዝሒ እቲ እተጻዕነሉ ግብርን ብናይ ምሕዳስ ቤት ኣምላኽን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ትርጓሜ መጽሓፍ ነገስታት ተጽሒፉ አሎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።

  2Chronicles (24/36)