2Chronicles (2/36)  

1. ሰሎሞን ድማ ንስም እግዚኣብሄር ቤት፡ ንመንግስቱ ኸኣ ቤት ኪሰርሕ ሐሰበ።
2. ሰሎሞን ድማ ሰብዓ ሽሕ ጾር ዚጾሩ ሰብ፡ ሰማንያ ሽሕ ሰብውን ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ፡ ነዚኣቶም ዚሕልዉ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ቈጸረ።
3. ሰሎሞን ድማ ናብ ሑራም ንጉስ ጢሮስ፡ ልኢኹ በሎ። ከምቲ ነቦይ ዳዊት፡ ንሱ ዚነብረላ ቤት ኪሰርሕስ፡ ኣእዋም ቄድሮስ ብምስዳድካ ዝገበርካሉ፡ ንኣይ ከኣ ከምኡ ግበረለይ።
4. እንሆ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቕድሰሉ ቤት ክሰርሕ እየ፡ ኣብኣ ኣብ ቅድሚእች ጥዑም ዝጨናኣ ዕጣን ኪዐጥኑ፡ እንጌራ ምርኣይውን ኲሉ ጊዜ ኺሰርዑ፡ ንግሆን ምሸትን በብሰናብትን ሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከኣ ዚሐርር ምስዋእቲ ኼዕርጉ። እዚ ንእስራኤል ንሓዋሩ ተሓጊጉሎም እዩ።
5. ኣምላኽና ድማ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ዚዐቢ እዩ እሞ፡ እታ ኣነ ኽሰርሓ ኢለ ዘሎኹ ቤት ዓባይ ክትከውን እያ።
6. ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይአኽሎን እዩ እሞ፡ ቤት ኪሰርሓሉ ዚኽእል መን ኣሎ፡ ኣነኸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዐጥነላ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ቤት ዝሰርሐሉ መን እየ፡
7. ሕጂ ድማ ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሰማያውን ኪዐዪ ጥበብ ዘለዎ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኰይኑ፡ ኲሉ ዓይነት ቅርጺ ምቕራጽ ዚፈልጥ ሰብ ስደደለይ።
8. ገላዉኻ ምቚራጽ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዜስተውዕሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ቄድሮስን ጽሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም።
9. እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤት ከኣ ዓባይን ግርምትን ክትከውን እያ እሞ፡ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ።
10. እንሆ ኸኣ፡ ንገላዉኻ፡ እቶም ኣእዋም ዚቘርጹ፡ ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ክዩድ ስርናይን ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ዕስራ ሽሕ ባት ወይንን ዕስራ ሽሕ ባት ዘይትን እህብ።
11. ሑራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ንሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደሉ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፡ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ገበረካ።
12. ሑራም ድማ ቀጺሉ በለ፡ ንእግዚኣብሄር እትኸውን ቤትን ንርእሱ እትኸውን ቤተ መንግስትን ዚሰርሕ፡ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ ንንጉስ ዳዊት ዝሀቦ፡ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
13. ሕጂ ድማ ሑራም ኣቢ ዚበሀል ብልህን ኣስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ ኣሎኹ፡
14. ንሱ ወዲ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ካብ ኣዋልድ ዳን፡ እዩ፡ ኣቦኡ ኸኣ ጢሮሳዊ ሰብኣይ ነበረ። ብዕዮ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን እምንን ዕንጨይትን ሕብሪ ደምን ሰማያዊ ልሕጺ ድማ ምቕራጽ ዚፈልጥ፡ ኲሉ ዓይነት ብልሓት ስራሕውን ኪሐስብ ዚኽእል እዩ። ንእኡ ምስ ብልህታትካን ምስ ናይ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ብልህታትን ሕብረት ይወሀቦ።
15. እምበኣርሲ ሕጂ፡ እቲ ጐይታይ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ንባሮቱ ይስደደሎም።
16. ንሕና ኸኣ ኣብ ሊባኖስ ከም ዜድልየካ ኣእዋም ክንቈርጽ ኢና፡ ብባሕሪ እናሰፈፍናውን ናብ ያፎ ነብጽሓልካ፡ ንስኻ ድማ ናብ የሩሳሌም ተደይቦ።
17. ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ ዂሎም ጓኖት ሰብኡት ቈጸሮም፡ እዚ ድሕሪ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐጸሮም ምቚጻር ኰነ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ።
18. ካባታቶም ከኣ ሰብዓ ሽሕ ዚጾሩ፡ ሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ፡ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነቲ ህዝቢ ዜዕይይዎ ሓለውቲ ኸኣ ገበረ።

  2Chronicles (2/36)