2Chronicles (16/36)  

1. ንመንግስቲ ኣሳ ኣብ መበል ሰላሳን ሹድሽተን ዓመቱ ባዔወ ንጉስ እስራኤል ናብ ይሁዳ ደዪቡ፡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ገለ ኸይወጽእን ከይኣቱን ምእንቲ ኪኽልክል፡ ንራማ ሰርሓ።
2. ሽዑ ኣሳ ኻብ መዛግብቲ ቤት እግዛአብሄርን ቤት ንጉስን ብሩርን ወርቅን ኣውጺኡ ነተ ኣብ ደማስቆ ዚነብር ዝነበረ ቤት ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸምዚ ኢሉ ሰደደሉ፡
3. ኣብ መንቶ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ኪኸይድሲ፡ ኪድ ነቲ ምስ ባዔሻ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ።
4. ቤን ሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ሓላቑ ሰራዊቱ ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ፡ ንዕዮንን ንዳንን ንኣቤል ማይምን ንዂለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ሰዐረን።
5. ኰነ ኸኣ፡ በዔወ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንራማ ምስርሓ ሐደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ።
6. ሽዑ ንጉስ ኣሳ ንብዘላ ይሁዳ ወሲዱ ነቲ ባዔሽ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ናይ ራማ ኣእማንን ኣዕጫውን ኣልዐሎ እሞ፡ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕን ንሚጽጳን ሰርሔን።
7. በቲ ጊዜ እቲኣ ሃናነ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መጺኡ በሎ፡ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ እተመርኰስካ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽክ ግና ስለ ዘይተመርኰስካ። ስለዚ እቲ ሰርዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ መለቘ።
8. ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላትትን ፈረሰኛታትን ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን ኣብ እግዚኣብሄር ስለ እተመርኰስካ ግና፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሀበካ።
9. ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ። በዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፡ ስለዚ ድማ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪለዐለካ እዩ።
10. በዚ ነገር እዚ ግና ኣሳ ተናደደ እሞ ነቲ ረኣዪ ዀረየሉ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ኣእተዎ። በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣሳ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ ገፍዖም።
11. እንሆ ድማ፡ ግብርታት ኣሳ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ።
12. ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሐመመ፡ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን።
13. ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ፡ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደ ዓመት መንግስቱ ሞተ።
14. ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንርእሱ ዘውቀሮ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ብብልሓት ገባር ሽቱ እተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን በበይኑ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልኤት ዓራት ድማ ኣንበርዎ፡ ዓብዪ ምሕራር ከኣ ኣሕረሩሉ።

  2Chronicles (16/36)