2Chronicles (15/36)  

1. ንዓዛርያ ወዲ ዖዴድ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ መጾ።
2. ኣብ ቅድሚ ኣሳ ወጺኡ ድማ በሎ፡ ኣታ ኣሳን ብዘሎኹም ይሁዳን ብንያምን፡ ስምዑኒ፡ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እሻተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እንተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ሐደግኩምዎ ግና፡ ንሱ ከኣ ኪሐድገኩም እዩ።
3. እስራኤልስ ነዊሕ ዘመን ብዘይ ኣምላኽ ሓቅን ብዘይ መሃሪ ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ።
4. ብጸበባኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ግና፡ ይርከበሎም ነበረ።
5. ኣብተን ሃገራት እቲኤን ንዚቕመጡ ዝነበሩ ዂሎም ብዙሕ ዕግርግር ነበረ እሞ፡ በተን ግዝያት እቲኤን ንዚመጽእ ኰነ ንዚኣቱ ሰላም ኣይነበረን።
6. ኣምላኽ ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጸበባ የዕገርግሮም ነበረ እሞ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ከተማ ምስ ከተማ ንሓድሕዶም ተሳባበሩ።
7. ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኺረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ፡ ኣእዳውኩምውን ዘርጋሕጋሕ ኪብላ ኣይትሕደጉ።
8. ኣሳ ድማ እዚ ቓላት እዝን ናይቲ ነብዪ ዖዴድ ትንቢትን ምስ ሰምዔ፡ ተብዔ እሞ ካብ ኲላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ከረን ኤፍሬም ዝሐዘን ከተማታትን ጽያፍ ዘበለ ወገደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ከኣ ኣሐደሶ።
9. ድማ ንብዘለዉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መጺኦም ምሳታቶም ዚነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ኸም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ካብ እስራኤል ብዙሓት ናብኡ ተጸግዑ።
10. ሽዑ ንሳቶም ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንመንግስቲ ኣሳ በታ ሳልሰይቲ ወርሒ ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ።
11. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ካብቲ ዘምጽእዎ ምርኮ ሾብዓተ ሚእቲ ብዕራይን ሾብዓተ ሽሕ በጊዕን ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
12. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኪደልይዎስ ቃል ኪዳን ኣተዉ።
13. ድማ ንእሽቶ ዀነ ወይስ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይስ ሰበይቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘይደለዮ ዘበለ ዂሉ ይሙት።
14. ንእግዚኣብሄር ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺን እልልታን ብመለኸትን እምብልታን መሐሉሉ።
15. ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ብዘላ ይሁዳ በቲ ማሕላ ተሐጐሰት፡ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ደለይዎ፡ ንሱውን ተረኽበሎም። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሀቦም።
16. ንማዓካ ኣደ ንጉስ ኣሳ ድማ ናይ ኣስታርተ ጽዩፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት፡ ካብ መንግስታ ሰዐራ፡ ኣሳ ኸኣ ነቲ ምስሊ ቘሪጹን ጨፍሊቑን ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ።
17. እቲ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣይተወገደን። ግናኸ ልቢ ኣሳ ምሉእ ዘመኑ ፍጹም ነበረ።
18. ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን ከኣ ናብ ቤት ኣምላኽ ኣእተዎ።
19. ክሳዕ መበል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመቱ ንመንግስቲ ኣሳ ኸኣ ውግእ ኣይነበረን።

  2Chronicles (15/36)