2Chronicles (13/36)  

1. ንንጉስ የሮብዓም ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ኣቢያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።
2. ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ድማ ሚካያ እዩ፡ ንሳ ጓል ኡሪኤል ካብ ጊብዓ እያ። ኣብ መንጎ ኣቢያን የሮብዓምን ከኣ ውግእ ነበረ።
3. ኣቢያ ድማ ሰራዊት ተዋጋእቲ ጀጋኑ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ሒዙ ንውግእ ተሰለፈ፡ የሮብዓም ከኣ ንእኡ ብሾብዓተ ሚእቲ ሽህ ሓያላት ጀጋኑ ዝነበሩ ሕሩያት ሰብ ኪዋጋእ ተሰለፈ።
4. ኣቢያ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ዘላ ዂርባ ጸማራዪም ተንሲኡ በለ፡ ኣታ የሮብዓምን ብዘሎኹም እስራኤልን፡ ስምዑኒ፡
5. መንግስቲ እስራኤልስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊት፡ ንእኡን ንደቁን፡ ንዘለኣለም ብናይ ጨው ኪዳን ከም ዝሀቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም
6. የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት፡ ግና ተንሲኡ ኻብ ጐይታኡ ሸፈተ።
7. ምናምናት፡ ደቂ ብልያል ዝዀኑ ሰባት ድማ ናብኡ ተኣኪቦም ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ከኣ ገና ዘይበሰለ መንእሰይ ከሎ፡ ኪቃወሞም ኣይከኣለን።
8. ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክትቃወምዋ እትኽእሉ ይመስለኩም ኣሎ፡ ንስኻትኩም ድማ ዓብዪ ጭፍራ ዄንኩም ኢኹም፡ እቶም የሮብዓም ንኣኻትኩም ንኣማልኽቲ ዘግበሮም ናይ ወርቂ ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ።
9. ነቶም ካህናት እግዚኣብሄር፡ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን፡ ኣይሰጐጒኩምዎምንዶ ከምቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ህዝብታት ከም ባዕላትኩምዶ ንርእስኹም ካናት ኣይገበርኩምን ንርእሱ ኪቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዙ ዝመጸ ዘበለ፡ ነዞም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ካህኖም ይኸውን።
10. ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሕናውን ኣይሐደግናዮን፡ ንእግዘኣብሄር ዜገልግሉ ኻህናት፡ ደቂ ኣሮንን ኣብ ዕዮኦም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣለዉና።
11. ንግሆ ንግሆን ምሸተ ምሸትን ከኣ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእትን ጥዑም መኣዛንኡ ዕጣንን የሕርሩሉ ኣለዉ፡ ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓውን እንጌራ ምርኣይ ይሰርዑሉ፡ ምሸት ምሽት ኬብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዴል ምስ ቀልዒታቱ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናስ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይተሐሎ ዝበሎ ነገረ ንሕሉ ኣሎና፡ ንስኻትኩም ግና ሐዲግኩምዎ ኢኹም።
12. እንሆ ኸኣ፡ ኣምላኽ ምሳና ኣብ ቅድሜና እዩ፡ እቶም ምሳኻትኩም ንምውጋእ ናብ ጭድርታ መለኸት ዚነፍሑ ኻህናቱ ኣለዉና። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኣይኪቐንዓልኩምን እዩ እሞ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ።
13. የሮብዓም ግና ብድሕሪኦም ዚኣትዉ ድብቕ ኣዞረሎም እሞ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ነበሩ፡ እቲ ድብቕ ከኣ ኣብ ድሕሪኦም ነበረ።
14. ይሁዳ ገጾም ምልስ ምስ ኣበሉ ድማ፡ እንሆ፡ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ነበሮም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ጨደሩ፡ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ።
15. ሰብ ይሁዳ ኸኣ ኣውክዑ። ኰነ ድማ፡ በቲ ምውካዕ ሰብ ይሁዳ፡ ኣምላኽ ንየሮብዓምን ንብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣቢያን ይሁዳን ወቖዖም።
16. ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሀደሙ፡ ኣምላኽውን ኣብ ኢዶም ሀቦም።
17. ኣቢያን ህዝቡን ድማ ዓብዪ ስዕረት ሰዐርዎም። ካብ እስራኤል ከኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ስዑራት ወደቑ።
18. ከምኡ እቶም ደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ እቲ ተዋረዱ፡ እቶም ደቂ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ተኣሚኖም እዮም እሞ፡ እናበርትዑ ኸዱ።
19. ኣቢያ ድማ ንየሮብዓም ሰጐጎ፡ ከተማታትውን፡ ቤት ኤል ምስ ኣቚሻታን የሳና ምስ ኣቚሻታን ዔፍሮን ምስ ኣቚሻታን፡ ወሰደሉ።
20. የሮብዓም፡ ኣቢያ ኽሳዕ ዘሎ፡መሊሱ ሓይሊ ኣይነበሮን። እግዚኣብሄር ድማ ቀዘፎ፡ ሞተ ኸኣ።
21. ኣቢያ ግና እናበርትዔ ኸደ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእትዩ ድማ፡ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተው ሹድሽተ ኣዋልድን ወለደ።
22. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያ ግብርታትን መገድታቱን ዘረባታቱን ከኣ ኣብ ትርጓሜ ነብዪ ኢዶ ተጽሒፉ ኣሎ።

  2Chronicles (13/36)