2Chronicles (12/36)  

1. ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ጸንዔት፡ ንሱ ኸኣ ምስ በርትዔ፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ሕጊ እግዚኣብሄር ሐደጉ።
2. ኰነ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝዐለውዎ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ናብ የሩሳሌም ደየበ።
3. ብሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን መጸ። ካብ ግብጺ ድማ ቊጽሪ ዜብሉ ህዝቢ፡ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ምስኡ መጹ።
4. ነተን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ሒዙ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።
5. ነብዪ ሸማዕያ ኸኣ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺወቅ ሀዲሞም ናብ የሩሳሌም እተኣከቡ ሓላቑ ይሁዳን መጺኡ በሎም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻትኩም ሐደግኩምኒ፡ ስለዚ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺወቅ ሐደግኩኹም።
6. ሽዑ እቶም ሓላቑ እስራኤልን እቲ ንጉስን ርእሶም ኣትሐቱ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡ በሉ።
7. እግዚኣብሄር ርእሶም ከም ዘትሐቱ ብዝረኣየ ድማ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ መጸ፡ ርእሶም ኣትሒቶም እዮም እሞ፡ ኣነውን ኣይከጥፍኦምን እየ፡ ሒደት ምንጋፍ ደኣ ኸናግፎም እየ እምበር፡ ቊጥዓይሲ ኣብ የሩሳሌም ብኢድ ሺሻቅ ኣይከፍስሶን እየ።
8. ግናኸ እቲ ንኣይ ምግዛእን ንነገስታት ሃገራት ምግዛእን ልዩነቱ ኺፈልጡስ፡ ገላዉኡ ኪዀኑ እዮም።
9. ሺወቅ ንጉስ ግብጺ ድማ ናብ የሩሳሌም ደየበ፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ድማ ወሰዶ፡ ንዂሉ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ወርቂ ዋላቱውን ወሰዶ።
10. ንጉስ ሮብዓም ግና ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረ፡ ኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ዝነበሩ ዘብዔኛታት ኣማዕቈበን።
11. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር በብዝኣተወላ እዋን እቶም ዘብዔኛታት መጺኦም ይጾርወን ነበሩ፡ ናብቲ ኽፍሊ ቤት እቶም ዘብዔኛታት ድማ ይመልስወን ነበሩ።
12. ርእሱ ስለ ዘትሐተ ኸኣ፡ ፈጺሙ ኸየጥፍኦስ እቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ካብኡ ተመልሰ። ኣብ ይሁዳስ ጽቡቕ ነገር ድማ ነበረ።
13. ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ እሞ፡ ንጉስ ሮብዓም ኣብ የሩሳሌም በትዔ ገዝኤ ከኣ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ እግዚኣብሄር፡ ስሙ ኣብኣ ኼንብሮ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐረያ ኸተማ ገዝኤ። ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ እትብሀል ዓሞናዊት እያ።
14. ንሱ ድማ ንምድላው እግዚኣብሄር ልቡ ኣየቕንዔን እሞ፡ ክፉእ ገበረ።
15. እቲ ግብርታት ሮብዓም ግና፡ እቶም ቀዳሞትን እቶም ዳሕሮትን፡ ንሱ ኣብታ ናይ ነብዪ ሸማዕያን ናይ ረኣዪ ዒዶን ዛንታዶ ኸምቲ ኣገባብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ።
16. ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣቢያ ነገሰ።

  2Chronicles (12/36)