2Chronicles (11/36)  

1. ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ኪመልስዋ፡ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
2. ግንኸ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ መጸ፡
3. ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን፡ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ንዘሎ ዂሉ እስራኤልን ከምዚ ኢልካ ንገሮም፡
4. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ኣይትደይቡን ምስ ኣሕዋትኩም ኣይትዋግኡን። ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ንየሮብዓም ኪወግኡ ኻብ ምኻድ ተመልሱ።
5. ሮብዓም ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ ኣብ ይሁዳ ዕርዲ ዚዀና ኸተማታት ከኣ ሰርሔ።
6. ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን።
7. ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን።
8. ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን።
9. ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን።
10. ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሔን።
11. ነቲ ዕርድታት ከኣ ኣጽንዖ፡ ምስለነታት ድማ ኣቐመጠሉ፡ መዛግብቲ እኽልን ዘይትን ወይንን ገበረሉ።
12. ኣብ ኲለን ከተማታት ከኣ በብኸተማ ዋላቱን ኲናውትን ኣቐመጠለን፡ ኣዝዩ ድማ ኣጽንዔን። ይሁዳን ብንያምን ከኣ ንእኡ ዀና።
13. ኣብ ብዘሎ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኲሉ ዶባቶም ናብኡ መጹ።
14. እቶም ሌዋውያንሲ፡ ካህናት እግዚኣብሄር ኰይኖም ከየገልግሉ፡ የሮብዓምን ደቁን ስለ ዝሰጐጒዎም፡ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እናሐደጉ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከዱ።
15. ንሱ ኸኣ ንርእሱ ነቲ በረኽትን ንኽፉኣት መናፍስትን ነቶም ዝገበሮም ምራኹትን ካህናት ኣቘመ።
16. ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልይዎ ልቦም ዝሀቡ ዘበሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ምእንቲ ኺስውኡሉ፡ ደድሕሪኦም ናብ የሩሳሌም መጹ።
17. ነታ መንግስቲ ይሁዳ ኸኣ ኣበርትዕዋ፡ ሰለስተ ዓመት በታ መገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩ እሞ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ሰለስተ ዓመት ኣጽንዕዎ።
18. ሮብዓም ከኣ ንማሓላት፡ ጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ዓቢሓዮልን፡ ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይ፡ ኣእተዋ።
19. ንሳ ድማ ኣወዳት፡ የዑሽን ሸማርያን ዛሃምን፡ ወለደትሉ።
20. ብድሕሪኣ ኸኣ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ኣእተዋ፡ ንሳ ድማ ኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሸሎሚትን ወለደትሉ።
21. ሮብዓም ከኣ ዓሰርተው ሾሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፡ ዕስራን ሾሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣዋልድን ድማ ወሊዱ ነበረ፡ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ግና ሓለፋ ዂለን ኣንስቱን ናይ ወሰን ኣንስቱን ይፈትዋ ነበረ።
22. ሮብዓም ከኣ ንኣበያ ወዲ ማዓካ ኼንግሶ ሐሲቡ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣሕዋቱ ሹም ኪኸውን ኣቘሞ።
23. ብምስትውዓል ድማ ንዂሎም ኣወዳቱ ኣብ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኲለን ጽኑዓት ከተማታት ኣቐመጦም፡ ብዙሕ ምግቢውን ሀቦም። ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ደለየሎም።

  2Chronicles (11/36)