| ← 2Chronicles (10/36) → |
| 1. | ብዘለዉ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግስዎ ናብ ሴኬም መጺኦም ነበሩ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ። |
| 2. | ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ካብ ግብጺ ተመልሰ። |
| 3. | ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ኲሎም እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና እሞ ኽንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። |
| 4. | ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ኲሎም እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና እሞ ኽንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። |
| 5. | ንሱ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ኸደ። |
| 6. | ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ ኢሉ ተማኸረ። |
| 7. | ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ህያው እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ትልውሃሎም ድማ፡ ጽቡቕ ቃላትውን እንተ ተዛአብካዮም፡ ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀውኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ። |
| 8. | ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሐዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ። |
| 9. | እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ምኽሩ ተማኽሩኒ በሎም። |
| 10. | እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ነዞም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፡ ንስኻ ግና ኣቕልለልና። ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ ኸምዚ በሎም፡ እዛ ንእሽቶይ ኣጸብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትገርጕድ። |
| 11. | ሕጂ ድማ ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ። |
| 12. | ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ። |
| 13. | ሽዑ እቲ ንጉስ ኣበርቲዑ መለሰሎም። ንጉስ ሮብዓምሲ ንምኽሪ እቶም ዓበይቲ ሐደጎ። |
| 14. | ከምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ከኣ፡ ኣቦይ ነቲ ኣርዑትኩም ኣኽበዶ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኽውስኽ እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም። |
| 15. | እቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ እቲ ሸሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቚሞ፡ እዚ ኻብ ኣምላኽ ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን። |
| 16. | ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊትከ እንታይ ክፍሊ ኣሎና ኣብ ወዲ እሰኢይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ድንኳንካ ተመለስ፡ ኣታ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ናብ ድንኳናቱ ኸደ። |
| 17. | ሮብዓምግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ። |
| 18. | ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ሃዶራም ሰደዶ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮቦኣም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላኡ ደዪቡ ናብ የሩሳሌም ሀደመ። |
| 19. | በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም ኣለዉ። |
| ← 2Chronicles (10/36) → |