2Chronicles (10/36)  

1. ብዘለዉ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግስዎ ናብ ሴኬም መጺኦም ነበሩ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ።
2. ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ካብ ግብጺ ተመልሰ።
3. ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ኲሎም እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና እሞ ኽንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
4. ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ኲሎም እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና እሞ ኽንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
5. ንሱ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ኸደ።
6. ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ ኢሉ ተማኸረ።
7. ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ህያው እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ትልውሃሎም ድማ፡ ጽቡቕ ቃላትውን እንተ ተዛአብካዮም፡ ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀውኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
8. ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሐዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ።
9. እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ምኽሩ ተማኽሩኒ በሎም።
10. እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ነዞም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፡ ንስኻ ግና ኣቕልለልና። ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ ኸምዚ በሎም፡ እዛ ንእሽቶይ ኣጸብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትገርጕድ።
11. ሕጂ ድማ ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ።
12. ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ።
13. ሽዑ እቲ ንጉስ ኣበርቲዑ መለሰሎም። ንጉስ ሮብዓምሲ ንምኽሪ እቶም ዓበይቲ ሐደጎ።
14. ከምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ከኣ፡ ኣቦይ ነቲ ኣርዑትኩም ኣኽበዶ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኽውስኽ እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
15. እቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ እቲ ሸሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቚሞ፡ እዚ ኻብ ኣምላኽ ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16. ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊትከ እንታይ ክፍሊ ኣሎና ኣብ ወዲ እሰኢይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ድንኳንካ ተመለስ፡ ኣታ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ናብ ድንኳናቱ ኸደ።
17. ሮብዓምግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18. ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ሃዶራም ሰደዶ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮቦኣም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላኡ ደዪቡ ናብ የሩሳሌም ሀደመ።
19. በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም ኣለዉ።

  2Chronicles (10/36)