| ← 1Timothy (4/6) → |
| 1. | በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ። |
| 2. | ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዐለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ |
| 3. | መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ ኣለዉ። |
| 4. | እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። |
| 5. | እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። |
| 6. | ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዐብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። |
| 7. | ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። |
| 8. | እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዂሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። |
| 9. | እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ። |
| 10. | በቲ ንዂሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዜድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዐይን እንጽዕርን ዘሎና። |
| 11. | እዚ ኣዝዝን ምሀርን። |
| 12. | ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነቲ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዐቃ። |
| 13. | ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። |
| 14. | ነቲ ብትንቢትን ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። |
| 15. | እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኲሉ ምእንቲ ኺግልጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። |
| 16. | ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ። |
| ← 1Timothy (4/6) → |