1Timothy (1/6)  

1. ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡
2. ናይ ጢምቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦኣን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
3. እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መውዳእታ ናብ ዜብሉ ቚጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዐድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣሎኹ።
4. እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መውዳእታ ናብ ዜብሉ ቚጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዐድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣሎኹ።
5. እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ።
6. ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም፡
7. ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዮ።
8. ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።
9. ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡
10. ነመናዝር፡ ግብሪ ሶዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ።
11. እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።
12. ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሀበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኤመስግኖ ኣሎኹ።
13. ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጒን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ።
14. ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዐዘዘ።
15. ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዂሉ ግቡእ እዩ።
16. ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዚኣምኑ ንኣርኣያ ዂሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ።
17. እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሐልፍ፡ ዘይርኤ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።
18. ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለልካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ፡ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቊበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ፡
19. ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለልካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕሊናን ሒዝካ፡ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኤማዕቊበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕሊናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ፡
20. ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እዮም።

      1Timothy (1/6)