1Thessalonians (5/5)    

1. ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ።
2. ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ዀይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ።
3. ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዝሕህዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።
4. ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።
5. ንስኻትኩም ግና ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።
6. ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።
7. እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ። እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ።
8. ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድንሓንውን ከም ቊራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲድና ንጠንቀቕ።
9. ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቚጥዓስ ኣይመደብናን።
10. ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና ምስኡ ሐቢርና ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ።
11. ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።
12. ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹም ዚምዕድኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም ኣሎና።
13. ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።
14. ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዂላቶም ተዐገስዎም ኢልና ንምዕደኩም ኣሎና።
15. እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኲሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዂሉ ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ።
16. ኲሉ ሳዕ ተሓጐሱ።
17. ከየባተኽኩም ጸልዩ።
18. እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ህኲሉ ኣመስግኑ።
19. መንፈስ ኣይተጥፍኡ።
20. ትንቢት ኣይትንዐቑ።
21. ንዂሉ ተዐዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ።
22. ካብ ክፉእ ዘበለ ዂሉ ርሐቑ።
23. ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንኸለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ።
24. እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ኪገብሮ እዩ።
25. ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ።
26. ንዂላቶም ኣሕዋትውን ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም በልዎም።
27. ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ።
28. ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

  1Thessalonians (5/5)