← 1Thessalonians (4/5) → |
1. | ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝህበኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎም ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጒሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩም ንምዕደኩምን ኣሎና። |
2. | ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝህበኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎም ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጒሱ ኸም ዚግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩም ንምዕደኩምን ኣሎና። |
3. | ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ |
4. | ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። |
5. | ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። |
6. | ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዂሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኩምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። |
7. | ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዂሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኩምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። |
8. | ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። |
9. | ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ። |
10. | እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዂላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ ዘሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣዚኹም እናወሰኽኩም ክትከዱ፡ ንምዕደኩም ኣሎና። |
11. | ከምቲ ዝአዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ከይደሌኹም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዐዩንሲ ኽብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም ኣሎና። |
12. | ከምቲ ዝአዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ከይደሌኹም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሀድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዐዩንሲ ኽብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም ኣሎና። |
13. | ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። |
14. | ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝየንስኤን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ስደቀሱ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ። |
15. | ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም ኣሎና። |
16. | ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሙቱውን ቅድም ኪትንስኡ፡ እዮም። |
17. | ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሐቢርና ኽለዐል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና። |
18. | ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ። |
← 1Thessalonians (4/5) → |