1Thessalonians (2/5)  

1. ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸንቱ ኸም ዘይኰነ፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኣሎኹም።
2. ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን፡ ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽና ተባዕና።
3. እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰነናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡
4. እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዚምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰነናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡
5. ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ብቓል ቅብጥር ወይስ እናኣማሳመስና ብስስዕቲ ከቶ ኣይመጻእናኩምን፡ ኣምላኽ ምስክርና እዩ።
6. ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ኸነኽብድ ዚከኣለና እኳ ኽነሱ፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደሌናን።
7. ኣብ ማእከልኩምሲ፡ ከምቲ ውሉድ እትሐቊፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና።
8. ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።
9. ኣሕዋተየ፡ ነቲ ዕዮናን ጻዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም እሞ፡ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ከይነኽብድ ኢልና፡ ለይትን መዓልትን እናዐየና ወንጌል ኣምላኽ ሰበኽናልኩም።
10. ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ብቕድስናን ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም።
11. ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቚዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።
12. ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዚጽውዓኩም ኣምላኽ ብቚዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።
13. ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ዚዐዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና።
14. ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ብክርስቶስ የሱስ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ማሕበራት ኣምላኽ ሰዓብተን ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም።
15. ንጐይታና የሱስ ንነብያት ዝቐተልዎም ንኣናውን ዚሰጉና ዘለዉ ንሳቶም እዮም፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም፡ ንኣና ብምኽልካሎም ንሳቶም ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን ንዂሉ ሰብውን ይጻረርዎ ኣለዉ። ከምዚ ዂሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ፡ ግናኸ መዓት ክሳዕ መወዳእታ ወሪድዎም ኣሎ።
16. ንጐይታና የሱስ ንነብያት ዝቐተልዎም ንኣናውን ዚሰጉና ዘለዉ ንሳቶም እዮም፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኺድሕኑ ኸይንነግሮም፡ ንኣና ብምኽልካሎም ንሳቶም ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን ንዂሉ ሰብውን ይጻረርዎ ኣለዉ። ከምዚ ዂሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ፡ ግናኸ መዓት ክሳዕ መወዳእታ ወሪድዎም ኣሎ።
17. ኣሕዋተየ፡ ንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ ብገጽ ንቕሩብ ጊዜ ኻባኻትኩም እተፈሌና፡ ገጽኩም ክንርኢ ብብዙሕ ናፍቖት ኣዚና ተሀዊኽና ኣሎና።
18. ስለዚ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደሌና፡ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ደልየ ነይረ፡ ግናኸ ሰይጣን ዐገተና።
19. ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጽኣቱኸ ተስፋና፡ ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧
20. ክብርናን ሓጐስናን ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጽኣቱኸ ተስፋና፡ ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ደይኰንኩምን፧

  1Thessalonians (2/5)