1Samuel (9/31)  

1. ካብ ብንያም ድማ ቂስ ዝስሙ ወዲ ኣቢኤል፡ ወዲ ጾሮር፡ ወዲ በኮራት፡ ወዲ ኣፊያሕ፡ ወዲ ብንያማዊ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ።
2. ንሱ ኸኣ ሳኦል ዝስሙ ምልምልን መንእሰይን ወዱ ነበሮ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዚጽብቕ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ክሳዱ ንላዕሊ ኻብ ኲሉ ህዝቢ ጸብለል ዝበለ ነበረ።
3. ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ፡ ካብዞም ግዟይ ሓድ ምሳኻ ውሰድ፡ ተንሲእካ ድማ ኪድ እሞ፡ ነተን ኣእዱግ ድለየን፡ በሎ።
4. ሽዑ ንኸረን ኤፍሬም ሐለፈ፡ ብምድሪ ሻሊሻ ኸኣ ሐለፈ፡ ግናኸ ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ድማ ሐለፈ፡ ኣብኣውን ኣይነበራን፡ ብምድሪ ብንያማውያን ከኣ ሐለፈ፡ ግናኸ ኣይረኸብወንን።
5. ናብ ምድሪ ጹፍ ምስ መጹ፡ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ግዙኡ፡ ኣቦይ ብናይ ኣእዱግ ሐዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፡ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ፡ በሎ።
6. ንሱ ግና፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣብ ኣሎ፡ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ፡ ዝበሎ ዂሉ ርግጽ ዚኸውን እዩ፡ ሕጂ ናብኡ ንኺድ፡ ንሱ ምናልባሽ እንኸደላ መገድና ይነግረና ይኸውን፡ በሎ።
7. ሳኦል ድማ ነቲ ግዙኡ፡ እንሆ፡ እንተ ኸድናስ፡ ነቲ ሰብኣይ እሞ እንታይ ነምጽኣሉ ኣብ ለቘታና እንጌራ ተወዲኡ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እነምጽኣሉ ህያብ የብልናን፡ ወይስ እንታይ እሞ ኣሎና በሎ።
8. እቲ ግዙእ ከኣ ከም ብሓድሽ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ርብዒ ሲቃል ብሩር ኣብ ኢደይ ኣሎኒ፡ እምበኣርሲ መገድና ምእንቲ ኺነግረናስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክህቦ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ።
9. እዚ ሎሚ ነብዪ ዚበሀል ዘሎ፡ ቀደም ረኣዪ ይበሀል ነበረ እሞ፡ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ኪሐትት ምስ ዚኸይድ፡ ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ፡ ይብል ነበረ።
10. ሳኦል ድማ ነቲ ግዙኡ፡ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ንዓናይ ንኺድ፡ በሎ። ከምዚ ኢሎም፡ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።
11. ንሳቶም በቲ ናብቲ ኸተማ ዜደይብ ዓቐበት ኪድይቡ ኸለው፡ ማይ ኪወርዳ ዝወጻ ኣዋልድ ረኸቡ፡ እቲ ረኣዪ ኣብዚዶ ኣሎ ኢሎም ሐተትወን።
12. ንሳተን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሎም፡ እንሆ፡ ኣብዚ ቕድሜኻ ኣሎ፡ እዚ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በረኻ ኪስውእ እዩ፡ ስለዚ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መጺኡ አሎ እሞ፡ ሕጂ ቐልጥፍ፡
13. ናብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ገና ናብቲ በሪኽ ኪበልዕ ከይደየበ፡ ብኡብኡ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ነቲ መስዋእቲ ንሱ እዩ ዚባርኾ፡ ስለዚ እቶም ህዝቢ፡ ንሱ ኸይመጾ፡ ኣይበልዑን እዮም እሞ፡ ድሕርቲ እቶም ዕዱማት ይበልዑ። በዛ ጊዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፡ ስለዚ ሕጂ ደይቡ።
14. ናብታ ኸተማ ኸኣ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተው፡ እንሆ፡ ሳሙኤል ናብቲ በሪኽ ኪድይብ ኪቃባበኦም ወጸ።
15. ሓንቲ መዓልቲ ቕድሚ ምምጻእ ሳኦል፡ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ገሊጾምሉ ነበረ፡
16. ገዓሩ ናባይ ስለ ዝበጽሔ፡ ንህዝበይ ርእየዮ እየ እሞ፡ ጽባሕ ከምዚ ጊዜ ኣብዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፡ ንኣኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ኪኸውን ቅብኣዮ፡ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕኖ እዩ።
17. ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዚገዝእ እዚ እዩ፡ በሎ።
18. ሳኦል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ደገ ናብ ሳሙኤል ቀረቡ፡ ቤት እቲ ረኣይስ ኣበይ እዩ ዘሎ በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ።
19. ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ እቲ ረኣዪ ኣነ እየ፡ ሎሚ ምሳይ ክትምስሑ ኢኹም እሞ፡ ቀቅድመይ ናብቲ በረኽ ደይብ፡ ጽባሕ ግና እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ነጊረ ኽሰደካ እየ።
20. ብዛዕባ እተን ዝጠፍኣኻ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከኣ፡ ተረኺበን እየን እሞ፡ ብእኤንሲ ኣይትሕሰብ። እቲ እስራኤል ዚትምነዮ ዘበለ ዂሉኸ፡ ንመን እዩ ንኣኻን ንቤት ኣቦኻን ዶ ኣይኰነን
21. ሳኦል ድማ፡ ኣነስ ብንያማዊ፡ ካብ ሓደ ኻብቶም ናእሽቱ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይከንኩን፡ ዓሌተይ ከኣ እቲ ኻብ ኲሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዚንእስዶ ኣይኰነን ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘሎኻ ኢሉ መለሰሉ።
22. ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ጊልያኡን ናብ ኣደራሽ ኣእትዩ፡ ብልዕሊ እቶም ዕዱማት ኣቐመጦም፡ ንሳቶም ከኣ ኣስታት ሰላሳ ሰብ ነበሩ።
23. ሳሙኤል ድማ ነቲ ሰራሒ ጸብሒ፡ ነቲ ምሳኻ ኣንብሮ ኢለ ዝሀብኩኻ ምቃል ኣምጽኣዮ፡ በሎ።
24. እቲ ሰራሒ ጸብሒ ኸኣ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዘሎን ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሚኤል ድማ፡ እቲ ንህዝቢ ጸዊዔ ኽብል ከሎኹ፡ ነዛ ምድብቲ ጊዜ እዚኣ ተነቢሩልካ እዩ እሞ፡ እቲ ተሪፉ ዝነበረ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ ጌርካ ብልዓዮ፡ በለ። ሳኦል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዔ።
25. ካብቲ በሪኽ ናብቲ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፡ ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ምስ ሳኦል ተዛረበ።
26. ኣንጊሆም ከኣ ተንስኡ። ኰነ ድማ፡ ቐይሔ ጸሊም ኪቐድድ ከሎ፡ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ንሳኦል፡ ከፋንወካስ ተንስእ፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳኦል ከኣ ተንስኤ፡ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ክልቲኦም ናብ ግዳም ወጹ።
27. ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ነዚ ግዙእ ንቕድሜና ሕለፍ፡ በሎ፡ ንሱ ኸኣ ሐለፈ፡ ንስኻ ግና፡ ሕጂ ቓል ኣምላኽ ከስምዓካስ፡ ጠጠው በል፡ በሎ።

  1Samuel (9/31)