← 1Samuel (8/31) → |
1. | ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፡ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረዲ ገበሮም። |
2. | ስም እቲ በዂሪ ወዱ ዮኤል፡ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ኣቢያ ነበረ፡ ኣብ ብኤርሸባዕ ፈረዲ ነበሩ። |
3. | እቶም ደቁ ግና ብመገዱ ኣይከዱን፡ ናብ ስስዔ ደኣ ኣበሉ፡ መማለዲ ተቐቢሎም ድማ ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ። |
4. | ሽዑ ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡ |
5. | እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኪሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ። |
6. | ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። |
7. | እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂለ ቓሎም ስማዕ። |
8. | ከምቲ ኻብቲ ኻብ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርክዎ ግብሪ፡ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኹ፡ ንኣኻ ድማ ከምኡ ይገብሩ ኣለው። |
9. | ሕጂ ኸኣ ቃሎም ስማዕ፡ ግናኸ ኣጽኒዕካ ምዐዶም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዚነግስ ንጉስ ከኣ ኣፍልጦም። |
10. | ሳሙኤል ድማ ነቶም ካብኡ ንጉስ ዝለመኑ ህዝቢ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዘበለ ነገሮም። |
11. | ንሱ በሎም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግጽ ንጉስ እዚ እዩ፡ ነቶም ኣወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ይገብሮም፡ ቀቅድሚ ሰረገላኡ ድማ ኪጐዩ እዮም። |
12. | ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሓምሳን፡ ማሕረሱ ዚሐርሱን ዓጺዱ ዚዐጽዱን ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ድማ ዚሰርሑ ኺገብሮም እዩ። |
13. | ነተን ኣዋልድኩም ከኣ ሽቱ ኼቃምማን ጸብሒ ኺሰርሓን ኪስንክታን ኪወስደን እዩ። |
14. | እቲ ዘዝበለጸ ግርሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይቲኹምን ወሲዱ ድማ ንገላውኡ ኺህቦም እዩ። |
15. | ዕሽር ዘራእትኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸኣ ንስሉባቱን ንገላውኡን ኪህቦም እዩ። |
16. | ገላውኹምን ኣግራድኩምን ዘዝበለጹ ኣጒባዝኩምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ንዕዮኡ ኺገብሮም እዩ። |
17. | ካብ ኣባጊዕኩም ከኣ ዕሽር ይወስድ፡ ባሮቱውን ክትኰኑ ኢኹም። |
18. | በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ እቲ ዝሐሬኹምዎ ንጉስኩም ክትምህለሉ ኢኹም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ኣይመልሰልኩምን እዩ። |
19. | እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣብዮም፡ ኣይፋል፡ ንሕናስ ከምቶም ኲሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ንጉስና ኺፈርደልናን ቀቅድሜና ወጺኡ ውግእና ኺዋግኣልናንሲ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ በሉ። |
20. | እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣብዮም፡ ኣይፋል፡ ንሕናስ ከምቶም ኲሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ንጉስና ኺፈርደልናን ቀቅድሜና ወጺኡ ውግእና ኺዋግኣልናንሲ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ በሉ። |
21. | ሳሙኤል ድማ ኲሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። |
22. | እግዚኣብሄር ከኣ ንሳሙኤል፡ ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ይኺድ፡ በሎም። |
← 1Samuel (8/31) → |