1Samuel (8/31)  

1. ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፡ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረዲ ገበሮም።
2. ስም እቲ በዂሪ ወዱ ዮኤል፡ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ኣቢያ ነበረ፡ ኣብ ብኤርሸባዕ ፈረዲ ነበሩ።
3. እቶም ደቁ ግና ብመገዱ ኣይከዱን፡ ናብ ስስዔ ደኣ ኣበሉ፡ መማለዲ ተቐቢሎም ድማ ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ።
4. ሽዑ ብዘለው ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡
5. እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ኪሎም ህዝብታት ዚፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ።
6. ዚፈርደልና ንጉስ ሀበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ።
7. እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዐቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዐቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዂለ ቓሎም ስማዕ።
8. ከምቲ ኻብቲ ኻብ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርክዎ ግብሪ፡ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኹ፡ ንኣኻ ድማ ከምኡ ይገብሩ ኣለው።
9. ሕጂ ኸኣ ቃሎም ስማዕ፡ ግናኸ ኣጽኒዕካ ምዐዶም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዚነግስ ንጉስ ከኣ ኣፍልጦም።
10. ሳሙኤል ድማ ነቶም ካብኡ ንጉስ ዝለመኑ ህዝቢ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዘበለ ነገሮም።
11. ንሱ በሎም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግጽ ንጉስ እዚ እዩ፡ ነቶም ኣወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ይገብሮም፡ ቀቅድሚ ሰረገላኡ ድማ ኪጐዩ እዮም።
12. ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሓምሳን፡ ማሕረሱ ዚሐርሱን ዓጺዱ ዚዐጽዱን ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ድማ ዚሰርሑ ኺገብሮም እዩ።
13. ነተን ኣዋልድኩም ከኣ ሽቱ ኼቃምማን ጸብሒ ኺሰርሓን ኪስንክታን ኪወስደን እዩ።
14. እቲ ዘዝበለጸ ግርሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይቲኹምን ወሲዱ ድማ ንገላውኡ ኺህቦም እዩ።
15. ዕሽር ዘራእትኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸኣ ንስሉባቱን ንገላውኡን ኪህቦም እዩ።
16. ገላውኹምን ኣግራድኩምን ዘዝበለጹ ኣጒባዝኩምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ንዕዮኡ ኺገብሮም እዩ።
17. ካብ ኣባጊዕኩም ከኣ ዕሽር ይወስድ፡ ባሮቱውን ክትኰኑ ኢኹም።
18. በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ እቲ ዝሐሬኹምዎ ንጉስኩም ክትምህለሉ ኢኹም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ኣይመልሰልኩምን እዩ።
19. እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣብዮም፡ ኣይፋል፡ ንሕናስ ከምቶም ኲሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ንጉስና ኺፈርደልናን ቀቅድሜና ወጺኡ ውግእና ኺዋግኣልናንሲ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ በሉ።
20. እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣብዮም፡ ኣይፋል፡ ንሕናስ ከምቶም ኲሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ንጉስና ኺፈርደልናን ቀቅድሜና ወጺኡ ውግእና ኺዋግኣልናንሲ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ በሉ።
21. ሳሙኤል ድማ ኲሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
22. እግዚኣብሄር ከኣ ንሳሙኤል፡ ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ይኺድ፡ በሎም።

  1Samuel (8/31)