1Samuel (7/31)  

1. እቶም ሰብ ቂርያትየዓሪም ድማ መጺኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብቲ ኣብ ኲርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ ኣእተውዎ፡ ንኣልኣዛር ወዱ ኸኣ ታቦት እግዚኣብሄር ኪሕሉ ቀደስዎ።
2. ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቂርያትየዓሪም ካብ ዚቕመጥ ጊዜኡ ነውሔ፡ ዕስራ ዓመት ኰነ። ብዘለው ቤት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣቢሎም ይቚዝሙ ነበሩ።
3. ሳሙኤል ከኣ ንብዘላ ቤት እስራኤል፡ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንተ ዄንኹም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ፡ ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ፡ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነኩም እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ።
4. ደቂ እስራኤል ከኣ ንበዓሊምን ንኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኣምለኹ።
5. ሳሙኤል ድማ፡ ንዂሉ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኣክቡ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ምእንታኹም ክልምኖ እየ፡ በሎም።
6. ሽዑ ኣብ ሚጽጳ ተኣከቡ፡ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣውን ጾሙ፡ ኣብኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር በዲልናዮ፡ በሉ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ፈረዶም ።
7. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኸም እተኣከቡ ምስ ሰምዑ፡ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ደየብዎም። ደቂ እስራኤል እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ንፍልስጥኤማውያን ፈርህዎም።
8. ደቂ እስራኤል ከኣ ንሳሙኤል፡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬድሕነናስ፡ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምምህላል ኣይትሕደግ፡ በልዎ።
9. ሳሙኤል ድማ ሓደ ዚጠቡ ዕየት ወሲዱ፡ ምሉእ ዚሐርር መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሳሙኤል ከኣ ምእንቲ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምላሽ ሀቦ።
10. ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል እቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርግ ከሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ኪዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጎዱ ኣሸበሮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ።
11. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሚጽጳ ወጺኦም ንፍልስጥኤማውያን ሰጐጒዎም፡ ክሳዕ ትሕቲ ቤትካር ቀተልዎም።
12. ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ሚጽጳን ሼንን ኣንበሮ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣና፡ ኢሉ ድማ ስሙ ኤብንዔዘር ሰመዮ።
13. ፍልስጥኤማውያን ተዋረዱ፡ መሊሶም ከኣ ናብ ዶብ እስራኤል ኣይመጹን። ብዂሉ ዘበን ሳሙኤል ድማ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ነበረት።
14. እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፡ ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ጋት፡ ናብ እስራኤል ተመልሳ፡ ንዶበን ከኣ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሐነ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ።
15. ሳሙኤል ድማ ምሉእ ዘበን ህይወቱ ንእስራኤል ፈረደ።
16. ዓመት ንዓመት ከይዱ ኸኣ ናብ ቤትኤልን ጊልጋልን ሚጽጳን ይዘውር ነበረ፡ ኣብ ኲለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከኣ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ።
17. ቤቱ ኣብ ራማ ነበረት እሞ፡ ናብኣ ይምለስ ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ።

  1Samuel (7/31)