1Samuel (6/31)  

1. እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ወርሒ ነበረ።
2. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቶም ካህናትን ጠንቘልትን ጸዊዖም፡ ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ ከመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና፡ በሉ።
3. ንሳቶም ድማ፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፡ ጥራዩ ኣይትስደድዎ፡ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፡ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፡ ኢዱውን ካባኻትኩም ዘይምግላሳ ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኺፍለጠኩም እዩ፡ በሉ።
4. ንሳቶም ከኣ፡ እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ በሉ። ንሳቶም ድማ በሉ፡ እቲ መዓት ንዂላትኩምን ንሹማምትኹምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፡ ከም ቊጽሪ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሓሙሽተ ሕበጥ ወርቅን ኣንጭዋ ወርቅን እዩ።
5. እምበኣርሲ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናጹኹምን ግበሩ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክብሪ ሀብዎ፡ ምናልባሽ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን ካብ ልዕሊ ምድርኹምን ክትቀልል እያ።
6. ከምቲ ግብጻውያንን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣሎኹም ኣባታቶም ሓይሊ ምስ ገበረ ደይኰኑን ይኺዱ ዝሐደግዎም፡ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ
7. ሕጂ ኸኣ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኩም፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለን፡ ዜጥብዋ ክልተ ላም ውሰዱ እሞ፡ ነተን ኣሓ ኣብቲ ሰረገላ ቑረንወን፡ ነተን ኣባትየን ከኣ ካብ ድሕረኤን ናብ ቤት ምለስወን።
8. ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፡ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ኣብ ሳጹን ጌርኩም ኣብ ጎቦኡ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ስደድዎ።
9. ርኣዩ ድማ፡ ብመገዲ ሃገሩ ኣቢሉ ናብ ቤትሸመሽ እንተ ደየበ፡ ሽዑ እዚ ብርቱዕ ክፋእ ነገር እዚ ዘምጽኣልና፡ ንሱ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ንሱስጅ ብኸምኡ ደኣ መጺኡና እምበር፡ እዚ መዓት እዚ ኢድ ኸም ዘየውረደትልና ኽንፈልጥ ኢና፡ በሉ።
10. እቶም ሰባት ከኣ ከምኡ ገበሩ። ክልተ ዜጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፡ ነተን ኣባትየን ድማ ኣብ ቤት ዐጸውወን።
11. ንታቦት እግዚኣብሄር ነቲ ሳጹን ምስሊ ኣናጹ ወርቅን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ኣንበርዎ።
12. እተን ኣሓ ድማ፡ ንየማን ጸጋም ከየግለሳ፡ እምባሕ እናበላ፡ ብጐደና ኣቕኒዔን መገዲ ቤትሸመሽ ትኽ ኢለን ከዳ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክሳዕ ዶብ ቤትሸመሽ ደድሕሪኤን ከዱ።
13. እቶም ኣብ ቤትሸመሽ ድማ ስርናይ ኣብቲ ለሰ ይዐጽዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ነቲ ታቦት ረኣይዎ እሞ፡ ብምርኣዩ ተሐጐሱ።
14. እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት እያሱ በዓል ቤትሸመሽ መጺኡ ኣብኣ ቘመ፡ ኣብኣ ድማ ዓብዪ እምኒ ነበረ። ዕጨይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊጾም ከኣ እተን ኣሓ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ።
15. ሌዋውያን ከኣ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ነቲ ምስኡ ዝነበረ፡ ኣቓሑ ወርቂ ዘለዎ ሳጽይንን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቶም ኣብ ቤትሸመሽ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ፡ መስዋእቲ ሕሩድ ከኣ ሰውኡሉ።
16. እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ረኣይዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዔቅሮን ተመልሱ።
17. እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ሕበጥ ወርቂ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሓደ ንኣሽዶድ፡ ሓደ ንጋዛ፡ ሓደ ንኣስቀሎን፡ ሓደ ንጋት፡ ሓደ ንዔቃሮን።
18. እተን ኣናጹ ወርቂ ድማ ከም ቊጽሪ ዂለን ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ኸተማታት ፍልስጥኤማውያን እየን፡ ካብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ኣቑሻት እታ ሃገር፡ ክሳዕ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር እተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፡ ንሱ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት እያሱ በዓል ቤትሸመሽ ኣሎ።
19. ካብ ሰብ ቤትሸመሽ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት ስለ ዝጠመቱ ቐዘፎም እሞ፡ ካብቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕዘፍቲ ስለ ዝቐዘፎ ድማ እቶም ህዝቢ ሐዘኑ።
20. እቶም ሰብ ቤትሸመሽ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እዚ ቅዱስ ኣምላኽ፡ መን ኪቐውም ይኽእል ካባናኸ ናብ መን ኪድይብ እዩ በሉ።
21. ነቶም ኣብ ቂርያትየዓሪም ዚነብሩ ኸኣ፡ ንታቦት እግዚኣብሄር ፍልስጥኤማውያን መሊሶም፡ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ፡ ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም።

  1Samuel (6/31)