1Samuel (30/31)  

1. ኰነ ድማ፡ ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ጺቅላግ ምስ መጹ፡ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንጺቅላግን ሓደጋ ወዲቖምወን ነበሩ፡
2. ነንስትን ኣብኣ ንዝጸንሑ ዂሎምን ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፡ ግናኸ ማሪኾም ደኣ መገዶም ከዱ እምበር፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተሉን።
3. ዳዊትን ሰቡን ናብታ ኸተማ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ ብሓዊ ነዲዳ። ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ተማሪኾም ነበሩ።
4. ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።
5. ክልቲኤን ኣንስቲ ዳዊት፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስን ከኣ ተማሪኸን ነበራ።
6. ነፍሲ ኲሉ እቲ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ እተመረረ፡ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዩ ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸንዔ።
7. ዳዊት ድማ ንኻህን ኣብያታር፡ ወዲ ኣሂሜሌክ፡ በጃኻ ኤፎድ ኣምጽኣለይ፡ በሎ። ኣብያታር ከኣ ነቲ ኤፎድ ናብ ዳዊት ኣምጽኦ።
8. ዳዊት ድማ፡ ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ ከርክቦዶኸ እኽእል እየ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ከተርክቦም፡ ብርግጽውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፡ ስዐቦም፡ በሎ።
9. ሽዑ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፡ ኣብ ርባ በሶር ምስ በጽሑ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብኡ ጸንሑ።
10. ክልተ ሚእቲ ሰባት ንርባ በሶር ምስጋር ክሳዕ ዚስእኑ ደኺሞም ድሕሪት ተረፉ፡ ዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰዐቡ።
11. ኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎ። ንሱ እንጌራ ኸይበልዔን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሀብዎ፡ በልዔ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎ፡ ቊራስ ጐጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሀብዎ። ምስ በልዔ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ።
12. ኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎ። ንሱ እንጌራ ኸይበልዔን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሀብዎ፡ በልዔ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎ፡ ቊራስ ጐጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሀብዎ። ምስ በልዔ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ።
13. ዳዊት ድማ፡ ንስኻ ናይ መን ኢኻ ካበይከ ኢኻ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ግብጻዊ ወዲ፡ ጊልያ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ሰለስተ መዓልቲ ገይረ እየ እሞ፡ ጐይታይ ሐዲጉኒ፡
14. ንሕና ኣብ ደቡብ ከሬጣውያንን ኣብቲ ናይ ይሁዳን ኣብ ደቡብ ካሌብውን ሓደጋ ወደቕና፡ ንጺቅላግ ከኣ ብሓዊ ተኰናያ፡ በለ።
15. ዳዊት ድማ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራዶ ተውርደኒ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራ ኸውርደካስ፡ ከይትቐትለኒ፡ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒ፡ ብኣምላኽ ምሐለለይ፡ በለ።
16. ንሱ ምስ ኣውረዶ ኸኣ፡ እንሆ፡ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝወሰድዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኲላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ።
17. ዳዊት ድማ ጽልግልግ ኪብል ከሎ ጀሚሩ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ምሸት ይቐትሎም ነበረ። ብጀካ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተወጢሖም ዝሀደሙ ኣጒባዝ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን።
18. ዳዊት ከኣ ነቲ ኣማሌቃውያን ውሲዶምዎ ዝነበሩ ዂሉ ኣምለሶ፡ ዳዊት ንኽልቲኤን ኣንሱቱውን ኣምለሰን።
19. ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ካብ ኣወዳት ኰነ፡ ካብ ኣዋልድ፡ ካብ እተዘምተ ዘበለ ኽሳዕ ኲሉ ወሲዶምዎ ዝነበሩ፡ ገለ እኳ ኣይጐደሎምን። ዳዊት ንዂሉ ኣምለሶ።
20. ዳዊት ድማ ንዂለን ኣባጊዕን ኣሓን ወሰደ፡ ንኣታተን ከኣ ቀቅድሚ እተን ካልእ ከብቲ ኸብኪቦም፡ እዚኣተን ምርኮ ዳዊት እየን፡ በሉ።
21. ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ንዳዊት ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ርባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰብኣይ መጸ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኪቕበሉ ወጹ። ዳዊት ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ፡ ደሓን ምህላዎም ሐተቶም።
22. ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ ሰባት፡ እቶም ክፋኣት ዘበሉ፡ ናይ ብልያል ሰባት፡ ምሳና ስለ ዘይከዱ፡ ካብዚ ዘምለስናዮ ምርኮስ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቱን ደቁን ይሐዝ እሞ መገዶም ይኺዱ፡ ኢሎም መለሱ።
23. ዳዊት ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እግዚኣብሄር ሐልዩናን ነቲ መጺኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፡ በቲ ንሱ ዝሀበናስ ከምዚ ኣይትግበሩ።
24. በዚ ነገር እዚ ደኣ መን ኪሰምዓኩም ከም ግደ እቶም ናብ ውግእ ዝወረዱ፡ ግደ እቶም ኣብ ኣቓሑ ዝጸንሑ ኸኣ፡ ከምኡ እዩ እሞ፡ ማዕረ ገይሮም ይማቐሉ፡ በለ።
25. ኰነ ድማ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዚ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ።
26. ዳዊት ናብ ጺቅላግ ምስ መጸ ኸኣ፡ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ፡ ካብ ምርኮ እቶም ጸላእቲ እግዚኣብሄር እንሆልኩም ገጽ በረኸት፡ ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም።
27. ነቶም ኣብ ቤትኤል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብታ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ያቲር ዝነበሩን፡
28. ነቶም ኣብ ዓሮዔር ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ሲፍሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኤሽትሞዓ ዝነበሩን፡
29. ነቶም ኣብ ራካል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት ቄናውያን ዝነበሩን፡
30. ነቶም ኣብ ሖርማ ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኮርዓሾን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ዓታኽ ዝነበሩን፡
31. ነቶም ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን እተማላለሱለን ኲለን ቦታታት ዝነበሩን ሰደደሎም።

  1Samuel (30/31)