1Samuel (29/31)  

1. ፍልስጥኤማውያን ድማ ብዘሎ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤልውን ኣብ ይዝርኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ።
2. እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኰይኖም ተጓዕዙ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ምስ ኣኪሽ ደጀን ኰይኖም ይጐዐዙ ነበሩ።
3. ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ እዞም እብራውያን እዚኣቶም ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለው በሉ። ኣኪሽ ድማ ንሸማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ እዝስ እቲ በዘን መዓልትታት ወይ በዘን ዓመታት እዚኤን ምሳይ ዝነበረ ዳዊት፡ ጊልያ ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኰነን ካብታ ናባይ እተጸግዓላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ገለ እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ በሎም።
4. ኣቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ግና ኰረዩሉ እሞ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን በልዎ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብታ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ኪቕመጥሲ፡ ናብኣ ምለሶ። እዚ ንጐይታኡ ደኣ ብምንታይ እዩ ዘሐጐሶ ብርእሲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኣይኰነን እምበኣር ኣብ ውግእ ተጻራሪ ምእንቲ ኸይኰነናስ፡ ናብ ውግእ ምሳያ ኣይውረድ።
5. እዝስ እቲ እናሳዕስዓ፡ ሳኦል ሽሑ፡ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ፡ ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኰነን
6. ሽዑ ኣኪሽ ንዳዊት ጸዊዑ፡ ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝዀንካ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ካብታ ናባይ ዝመጻእካላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ገለ ኽፋእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፡ ኣብዚ ሰራዊት ምሳይ ምእታውካን ምውጻእካን ባህ ይብለኒ ነይሩ፡ ነዞም ሹማምቲ ግና ባህ ኣይበልካዮምን።
7. እምበኣር ሕጂስ ንሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ዜጒሂ ኸይትገብርሲ፡ ተመለስ እሞ ብሰላም ኪድ፡ በሎ።
8. ዳዊት ከኣ ንኣኪሽ፡ እንታይ እሞ ገይረ እየ ከይደ ምስ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእሲ፡ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝዀንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ጊልያኻ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ በሎ።
9. ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ ኣምላኽ ጽቡቕ ከም ዝዀንካ እፈልጥ ኣሎኹ፡ እዞም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ደኣ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይደይብ፡ ኢሎም።
10. ሕጂ ኸኣ፡ ጽባሕ ምስቶም ምሳኻ ዝመጹ ገላው ጐይታኻ ኣንጊህካ ተንስእ እሞ፡ ጽባሕ ኣንጊህኩም ተንሲእኩምሲ ምስ በርሀልኩም ኪዱ፡
11. ዳዊት ከኣ ንሱን ሰቡን ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኪምለሱ፡ ንግሆ ኺነቕሉ፡ ኣንጊሆም ተንስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ይዝርኤል ደየቡ።

  1Samuel (29/31)