1Samuel (28/31)  

1. ኰነ ኸኣ፡ በቲ ጊዜ እቲ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣኪሽውን ንዳዊት፡ ንስኻን ሰብካን ምሳይ ናብ ውግእ ከም እትወጹ ብርግጽ ፍለጥ፡ በሎ።
2. ዳዊት ድማ ንኣኪሽ፡ እምበኣር እቲ ጊልያኻ ዚገብሮ ንስኻ ኽትርኢ ኢኻ፡ በሎ። ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ እምበኣር ኲሉ ጊዜ ሐላው ነፍሰይ ክገብረካ እየ፡ በሎ።
3. ሳሙኤል ድማ ሞይቱ ነበረ፡ ብዘለው እስራኤል ከኣ ኣልቂሶምሉስ፡ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ራማ ቐቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ መንፈስ ጥንቈላ ንዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ሃገር ሰጒጒዎም ነበረ።
4. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹኔም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ኣብ ጊልቦዓ ኸኣ ሰፈሩ።
5. ሳኦል ድማ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣዮ ፈርሄ፡ ልቡ ኸኣ ኣዝዩ ተሸበረ።
6. ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ፡ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን።
7. ሽዑ ሳኦል ንገላውኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይ፡ በሎም። እቶም ገላውኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔንዶር ኣላ፡ በልዎ።
8. ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ ኻልእ ኽዳን ተኸዲኑ፡ ንሱ ኽልተ ሰባትውን ምስኡ ዀይኖም ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መጹ፡ በጃኺ ብመንፈስ ጥንቈላ ጌርኪ ጠንቊልለይ፡ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይ፡ በላ።
9. እታ ሰበይቲ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብዛ ሃገር ከም ዘጽበቶም፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ስለምንታይከ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ በለቶ።
10. ሳኦል ድማ፡ በዚ ነገር እዝስ ገለ ቕጽዓት እኳ ኸም ዘይረኽበኪ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለላ።
11. ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ ንመንከ ኸተንስኣልካ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳሙኤል ኣተንስእለይ፡ በላ።
12. እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረኣየቶ፡ እታ ሰበይቲ ንሳሎ፡ ንስኻ ሳኦል ክነስኻ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝጠበርካኒ ኢላ ዓው ኢላ ጨደረት።
13. እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣሎኺ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፡ ሓደ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ ኣሎኹ፡ በለቶ።
14. ንሱ ኸኣ፡ ትርኢቱኸ ኸመይ ዝበለ እዩ በላ። ንሳ ድማ፡ ባርኖስ እተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወጽእ ኣሎ፡ በለት። ሽዑ ሳኦል፡ ንሱ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
15. ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸተተንስኣኒ ዘዕገርገርካኒ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኣነ ኣዝዩ ጸቢቡኒ ኣሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለው፡ እግዚኣብሄር ድማ ረሐቐኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይመለሰለይን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ ጸዋዕኩኻ፡ በሎ።
16. ሳሙኤል ድማ በለ፡ እግዚኣብሄር ካብ ረሓቐካ ጻላኢኻውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ
17. እግዚኣብሄርሲ ኸምቲ ብኣይ እተዛረቦ ገበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ንዳዊት ሂብዎ እዩ።
18. ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካን፡ ከምቲ ነዱድ ኲራኡ ድማ ኣብ ኣማሌቅ ስለ ዘይገበርካን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ እዚ ነገር እዚ ገበረካ።
19. እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከኣ ምሳኻ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ። ጽባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።
20. ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል ኣዝዩ ፈሪሁ፡ ብኡብኡ ብምሉእ ቊመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ። ምልእቲ መዓልቲን ምልእቲ ለይትን ከኣ ኣንጌራ ኣይበልዔን እሞ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን።
21. እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መጺኣ፡ ኣዝዩ ኸም ዝሰምበደ ርእያ፡ እንሆ፡ ገረድካ ቓልካ ሰሚዓ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ እቲ ዝበልካኒ ዘረባ ተኣዘዝኩ።
22. ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ንስኻ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብሲ፡ ቊራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜካ ኸንብረልካ ብላዕ፡ በለቶ።
23. ንሱ ግና፡ ኣይበልዕን፡ ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ገላውኡ፡ ምስታ ሰበይቲ ዀይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ።
24. እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ስቡሕ ብተይ ነበራ፡ ተቐላጢፋ ድማ ሐረደቶ፡ ሓርጭ ወሲዳ ኸኣ ኣቘምጢዓ ቕጫ ሰንከተት።
25. ኣብ ቅድሚ ሳኦልን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን ቀረበትሎም፡ ንሳቶም ከኣ በሊዖም ተንስኡ፡ በታ ለይቲ እቲኣውን ከዱ።

  1Samuel (28/31)