1Samuel (26/31)  

1. እቶም ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ መጺኦም፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንጽር በረኻ ዘሎ ዂርባ ሓኪላዶ ተሐቢኡ ኣየሎንበልዎ።
2. ሽዑ ሳኦል፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኪደልዮ፡ ካብ እስራኤል እተሐርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ምስኡ ሒዙ፡ ናብ በረኻ ዚፍ ወረደ።
3. ሳኦል ከኣ ኣብታ ኣብ መንጽር በረኻ ኣብ መገዲ ዘላ ዂርባ ሓኪላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ በረኻ ተቐሚጡ ነበረ። ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ በረኻ ኸም ዝመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡
4. ዳዊት ሰለይቲ ሰዲዱ፡ ሳኦል ብርግጽ ከም ዝመጾ፡ ፈለጠ።
5. ዳዊት ከኣ ተንሲኡ፡ ናብቲ ሳኦል ሰፊርዋ ዘላ ቦታ መጸ። ዳዊት ድማ ሳኦልን ኣብኔርን ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዚድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ረኣየ። ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ሰረገላታት ደቀሰ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ።
6. ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣሂሚሌክ ሂታውን ንኣቢሳይ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮኣብን፡ ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር መን ምሳይ ይወርድ በሎም። ኣቢሳይ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ እወርድ፡ በለ።
7. ዳዊትን ኣቢሳይን ከኣ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መጹ፡ እንሆ ድማ፡ ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ሰረገላታት በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኲናቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።
8. ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት፡ ሎሚ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ከይደገምኩስ ሓንሳእ ብዂናት ምስ ምድሪ ኸላግቦ ሕደገኒ፡ በሎ።
9. ዳዊት ግና ንኣቢሳይ፡ ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚኣብሄር ዘርጊሑስ በደል ዘይዀኖ መን ኣሎ ስለዚ ኣይትቕተሎ፡ በሎ።
10. ዳዊት ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እግዚኣብሄር ኪቐትሎ እዩ፡ ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት ወይ ኣብ ውግእ ወሪድ ይጠፍእ።
11. ኢደይ ናብቲ ቅቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ። ሕጂ ድማ፡ በጃኻ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንኺድ፡ በለ።
12. ዳዊት ከኣ ነቲ ዂናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ነበረ፡ ስለዚ ዂሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ዝረኣየ የልቦን፡ ዝፈለጠ ኸኣ የልቦን፡ ዝነቕሔውን የልቦን።
13. ዳዊት ድማ ናብ ስግር ሐለፈ፡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ቈመ፡ ኣብ መንጎኦም ገፊሕ ቦታ ነበረ።
14. ዳዊት ኸኣ ነቶም ህዝቡን ንኣብኔር ወዲ ኔርን፡ ኣታ ኣብኔር፡ ኣይትመልስን ዶ ኢሉ ጸውዔ። ኣብኔር ድማ፡ ንንጉስ እትጽውዕ፡ ንስኻ መን ኢኻ ኢሉ መለሰ።
15. ዳዊት ከኣ ንኣብኔር በሎ፡ ንስኻ ሰብኣይ ደይኰንካን ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ኪቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሐሎኻዮ
16. እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ስለ ዘይሐሎኹምዎ፡ ነስኻትኩም ደቂ ሞት ከም ዝዀንኩም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ርኤ።
17. ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ ወደይ ዳዊት፡ እዚ ድምጽኻ ድዩ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እወ ጐይታይ ንጉስ፡ ድምጸይ እዩ፡ በለ።
18. ወሲኹ ድማ በለ፡ እንታይ ገይረ እየ ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፋእ ተረኺቡኒ እዩ ስለምንታይ ደኣ እዩ ጐይታይ ንጊልያኡ ዚሰጎ ዘሎ
19. እምበኣር ሕጅስ በጃኻ ጐይታይ ንጉስ፡ ዘረባ ጊልያኡ ይስማዕ። እቲ ናባይ ዝደረኸካ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ፡ ምዕዝ መስዋእቲ ይተዐጠነሉ፡ ደቂ ሰብ እንተ ዀይኖም ግና፡ ኣብ ርስቲ እግዚኣብሄር ክፍሊ ኸይረክብሲ፡ ኪድ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምልኽ ኢሎም፡ ሎሚ ሰጒጎምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ።
20. ሕጂ ኸኣ ንቖቓሕ ኣብ ኣኽራን ከም ዚህደን፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቘንጪ ኺደሊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ደመይ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ተፈልዩ ኣብ ምድሪ ኣይፍሰስ።
21. ሽዑ ሳኦል፡ ኣነ በዲለ እየ፡ ወደይ ዳዊት፡ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዝኸበረት፡ ደጊም ክፋእ ኣይገብረካን እየ እሞ፡ ተመለስ፡ እንሆ፡ ተጸሊለ ኣዝየ ተጋጌኹ፡ በለ።
22. ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እቲ ዂናት ንጉስ እንሆ፡ ካብቶም ኣጒባዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ።
23. ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ኣቢለ ኢደይ ክዝርግሕ ኣይፈቶኹን፡ እግዚኣብሄር ደኣ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ።
24. እንሆ ድማ፡ ከምቲ ነፍስኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ ዝኸበረት፡ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትኽበት፡ ካብ ኲሉ መከራውን የድሕነኒ።
25. ሽዑ ሳኦል ንዳዊት፡ ኣታ ወደይ ዳዊት፡ ብሩኽ ኩን። ምግባርሲ ኽትገብር ኢኻ፡ ብርግጽውን ከተስልጦ ኢኻ፡ በሎ። ዳዊት ድማ መገዱ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።

  1Samuel (26/31)