1Samuel (25/31)  

1. ሳሙኤል ድማ ሞት። ብዘለው እስራኤል ከኣ ተኣኪቦም በኸዩሉ፡ ኣብ ራማ ኣብ ቤቱ ድማ ቀበርዎ። ሽዑ ዳዊት ተንሲኡ ናብ በረኻ ጳራን ወረደ።
2. ሓደ ሰብኣይ፡ ተግባሩ ኣብ ቀርሜሎስ ከሎ፡ ኣብ ማዖን ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። ሰለስተ ሽሕ በጊዕ፡ ሽሕ ከኣ ጤል ነበራኦ፡ በቲ ጊዜ ቲ ድማ፡ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ።
3. ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ናባል፡ ስም ሰበይቱ ድማ ኣቢጋይል ነበረ።እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዔኛን ነበረት። እቲ ሰብኣይ ግና ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሌት ካሌብ ነበረ።
4. ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ኸሎ፡ ናባል ኣባጊዑ ይቘርጽ ከም ዘሎ ሰምዔ።
5. ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጒባዝ ለኣኸ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጒባዝ ለኣኸ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጒብዝ በሎም፡ ናብ ቀርሜሎስ ደዪብኩም ናብ ናባል እተው እሞ ብስመይ፡ ከመይ ኢልካ ኣሎኻ፡ በልዎ።
6. ከምዚ ድማ በልዎ፡ ጥዕና ይሀበለይ፡ ንኣኻ ሰላም፡ ንቤትኻ ሰላም፡ ንዘሎካ ዂሉውን ሰላም።
7. ሕጂ ኸኣ ቈረጽቲ ኣባጊዕ ከም ዘለውኻ ሰሚዔ። እምበኣርሲ እቶም ጓሶትካ ምሳና እዮም ዝነበሩ፡ በቲ ኣብ ቀርሜሎስ ዝነበሩሉ ኹሉ ጊዜ ኣየስተሐፈርናዮምን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይጠፍኦምን።
8. ንገላውኻ ጠይቆም፡ ንሳቶም ከኣ ኪነግሩኻ እዮም። ብጽብቕቲ መዓልቲ መጺእና ኣሎን እሞ፡ እዞም ኣጒባዝ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ፡ በጃኻ፡ ኣብ ኢድካ እተረኽበ ንገላውኻን ንወድኻ ዳዊትን ሀቦም።
9. እቶም ገላው ዳዊት ምስ መጹ ድማ፡ እዚ ነገር እዚ ኹሉ ብስም ዳዊት ነናባል ነገርዎ፡ ስቕ ከኣ በሉ።
10. ናባል ድማ ነቶም ገላው ዳዊት፡ ዳዊት መን እዩ ወዲ እሴይከ መን እዩ ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ገላው ብዙሓት እዮም።
11. እንጌራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዔይ ኢለ ዝሐረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህቦም እየ ኢሉ መለሰሎም።
12. እቶም ገላው ዳዊት ድማ መገዶም ተመልሱ። መጺኦም ድማ እዚ ነገር ዥእዚ ኹሉ ነገርዎ።
13. ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ሴፍኩም ተዐጠቑ፡ በለ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሴፉ ተዐጥቀ፡ ዳዊትውን ሴፉ ተዐጥቀ። ደድሕሪ ዳዊት ከኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ኸኣ ኣብ ኣቓሑ ተቐመጡ።
14. ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጒባዝ ከምዚ በላ፡ እንሆ፡ ዳዊት ካብ በረኻ ንጐይታና ሰላም ኪብልዎ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ስጐጎም።
15. እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣናስ ብዙሕ ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፡ ኣየስተሀፈሩናንውን፡ በቲ ኣብ በረኻ ምሳታቶም እተማላለስናሉ ዂሉ ጊዜ ድማ ገለ እኳ ኣይጠፍኣናን።
16. እቲ ኣባጊዕ ክንጓሲ ምሳታቶም ከሎና ለይቲ ዀነ፡ መዓልቲ ዀነ፡ ኲሉ ጊዜ መካበቢያ ዀይኖምና ነበሩ።
17. ንሱ ድማ ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይኽእል ወዲ ብልያል እዩ እሞ፡ ሕጂ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፋእ ተመዲብዎ ኣሎ፡ ስለዚ ርኣዪ፡ እትገብርዮ ኸኣ ፍለጢ።
18. ሽዑ ኣቢጋይል ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጌራን ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጐጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጐጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዐነቶ።
19. ንግዙኣታ ኸኣ፡ ቀቅድመይ ሕለፉ፡ እኔኹ፡ ክስዕበኩም እየ፡ በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።
20. ኰነ ድማ፡ ኣድጊ ተወጢሓ፡ ነቲ ኸረን ብኽውለ ኸውሊ ኽትወርድ ከላ፡ እንሆ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኪቃባበልዋ ወረዱ፡ ንሳ ድማ ተጓነፈቶም።
21. ዳዊት ከኣ ከምዚ ኢሉ ነበረ፡ ናይዚ ጥሪት ኲሉ ኣብ በረኻ ዘለዎ ዂሉ ገለ እኳ ኸይጠፍኦ፡ ንኸንቱ ጥራይ ሐሎኹሉ። ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፋእ መለሰለይ።
22. ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ፡ ካብ ዘለዎ ዂሉ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን፡ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ሐዲገስ፡ ኣምላኽ ንጸላእቲ ዳዊት ከምዚ ይግበሮም ከምዚውን ይወስኮም።
23. ኣቢጋይል ድማ ንዳዊት ምስ ረኣየቶ፡ ቀልጢፋ ኻብ ኣድጊ ወረደይ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገጻ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት።
24. ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸኣ በለቶ፡ ኣታ ጐይታይ፡ እዚ ኣበሳ እዚ ኣባይ ይኹን፡ በጃኻ፡ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረቦ፡ ዘረባ ገረድካውን ስማዕ።
25. ጐይታይ፡ ኣብዚ ናይ ብልያል ሰብ፡ ኣብ ናባል ልቡ ኸየውድቕ እልምን ኣሎኹ። ስሙ ናባል እዩ እሞ፡ ጽላለ ኣለዎ፡ ከምቲ ስሙ፡ ንሱ ኸምኡ እዩ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ኣጒባዝ ኣይርኤኽዎምን።
26. ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ እቲ ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዘድሐነካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ድማ ጸላእትኻን እቶም ንጐይታይ ክፋእ ዚደልዩሉን ከም ናባል ይኹኑ።
27. ሕጂ ኸኣ እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጸ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዚስዕቡ ኣጒባዝ ይወሀብ።
28. ጐይታይሲ ውግእ እግዚኣብሄር ዚዋጋእ ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ዕድሜኻ ኣባኻ ገለ ኽፋእ ኣይርከብን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ጽንዕቲ ቤት ከም ዚሰርሐሉ ርግጽ እዩ። እምበኣርሲ በጃኻ፡ በደል ገረድካ ሕደገላ።
29. ሰብ እኳ ኺሰጐካን ንነፍስኻ ኺደልን እንተ ተንስኤ፡ ነፍሲ ጐይታይሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብቲ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን። ነፍሳት ጸላእትኻ ግና ከም ኣብ ዓውዲ ወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፈን።
30. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዂሉ ጽቡቕ እተዛረበካ ምስ ኣዘዘካ፡
31. እቲ ንጽህ ደም ምፍሳሰን ሕነ ምፍዳይ ጐይታይን ንዕንቅፋትካን ንምስቃቕ ልቢ ጐይታይን ኣይኽንካ። እግዚኣቢሄር ንጐይታይ ጽቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ ፡ ንገረድካ ዘክረኒ።
32. ፡ ሽዑ ድዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፋእ ከይገብረኪዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቕልጢፍኪ እንተ ዝይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ ኣትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ፡ በላ።
33. ፡ ሽዑ ድዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፋእ ከይገብረኪዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቕልጢፍኪ እንተ ዝይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ ኣትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ፡ በላ።
34. ፡ ሽዑ ድዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፋእ ከይገብረኪዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቕልጢፍኪ እንተ ዝይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ ኣትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዚሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ፡ በላ።
35. ዳዊት ድማ እቲ ዘምጽኣትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉስ፡ ርኣዪ፡ ዘረባኺ ሰሚዔ፡ ገጽኪ ኸኣ ኣኽበርኩ፡ ናብ ቤትኪ ብሰላም ደይቢ፡ በላ።
36. ኣቢጋል ድማ ናብ ናባል መጸት፡ እንሆ ኸኣ፡ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ምሳሕ ኣብ ቤቱ ነበሮ። ልቢ ናባል ድማ ተሐጐሰ፡ ኣዝዩ ሰኺሩ ኸኣ ነበረ። ስለዚ ንጽብሒቱ ኽሳዕ ዚበርህ፡ ይንኣስ ይዕበ ገለ እኳ ኣይተዛረበቶን።
37. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ናባል ስኽራኑ ምስ ወጻሉ፡ ሰበይቱ እዚ ነገር እዚ ነገረቶ። ሽዑ ልቡ ኣብ ውሽጡ ሞተ፡ ከም እምኒውን ኰነ፡
38. ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ዚኣክል እግዚኣብሄር ንናባል ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ።
39. ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዔ፡ እቲ ኻብ ኢድ ናባል ዝበጽሓኒ ውርደይ ዝፈረደለይ፡ ንባርያኡውን ክፋእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ይባረኽ። እቲ ኽፍኣት ናባል ከኣ እግዚኣብሄር ናብ ርእሱ መለሰሉ፡ በለ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ ኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ልኢኹ ተዛረባ።
40. እቶም ገላው ዳዊት ከኣ ንቀርሜሎስ ናብ ኣቢጋይል መጺኦም፡ ዳዊት ሰበይቱ ኽትኰንዮ ኺወስደኪ ኢሉ፡ ናባኺ ልኢኹና፡ ኢሎም ነገርዋ።
41. ሽዑ ንሳ ተንሲኣ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፍኤት፡ እኔኹ ገረድካ፡ ንምሕጻብ ኣእጋር ገላው ጐይታይ ግዝእቲ እኹን፡ ድማ በለት።
42. ኣቢጋይል ከኣ ቀልጢፋ ተንስኤት፡ ኣድጊ ድማ ተወጥሔት፡ ሓሙሽተ ኣግራድ ኸኣ ይስዕባኣ ነበራ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ከደት፡ ሰበይቱ ኸኣ ኰነት።
43. ዳዊት ድማ ንኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል ወሰዳ፡ ክልቲኤን ከኣ ኣንስቱ ዀና።
44. ሳኦል ግና ጓሉ ሚካል፡ ሰበይቲ ዳዊት፡ ንፋልጢ ወዲ ላይሽ ብዓል ጋሊም፡ ሂብዎ ነበረ።

  1Samuel (25/31)