1Samuel (24/31)  

1. ዳዊት ድማ ካብኡ ደዪቡ ኣብ ጽኑዕ ቦታታት ዔገገዲ ተቐመጠ።
2. ኰነ ኸኣ፡ ሳኦል ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔንገዲ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
3. ሽዑ ሳኦል፡ ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሐርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ንዳዊትን ሰቡን ኣብ ኣኻውሕ ጤለበዱ፡ ኺደልዮም ከደ።
4. ናብቲ ጥቓ መገዲ ዝነበረ ደምቤታት ኣባጊዕ ድማ መጸ፡ ኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ፡ ሳኦል ድማ እግሩ ኪኸድን ኣተው። ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።
5. ሽዑ እቶም ሰብ ዳዊት፡ እታ እግዝኣብሄር፡ ነቲ ጸላኢኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብሮስ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ዝበለካ መዓልቲ እንሃ፡ ሎሚ እያ፡ በልዎ። ዳዊት ድማ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረጸ።
6. ድሕርዚ ግና፡ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ንዳዊት ልቡ ወቕዖ።
7. ንሰቡ ድማ፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎም።
8. ዳዊት ነቶም ሰቡ ብዘረባኡ ዐገቶም፡ ኣብ ሳኦል ኪትንስኡ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓቲ ተንሲኡ መገዱ ኸደ።
9. ድሕርዚ ዳዊት ተንሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወጸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢሉ ኸኣ ደድሕሪ ሳኦል ጸውዔ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ እሞ፡ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ።
10. ዳዊት ድማ ንሳኦል በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም፡ እንሆ፡ ዳዊት ንክፋእካ እዩ ዚደሊ፡ ዚብሉኻ ሰባት እትሰምዕ
11. እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብቲ በዓቲ ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሀበኒ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣዒንትኻ ርእየን እየን። ክቐትለካ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግና፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኢደይ ናብ ጐይታይ ኣይዝርግሕን ኢለ ነሐፍኩኻ።
12. ኣቦየ፡ ርኤ፡ እወ፡ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎ፡ ርኤ፡ ጫፍ ክዳንካ ክቘርጽ ከሎኹ፡ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ኣብ ኢደይ ክፍኣት ኰነ፡ በደል ኰነ ኸም ዜልቦ ፍለጥን ርኤን። ንስኻ ኸኣ ንነፍሰይ ክትወስድ እትደሊ ኽነስኻስ፡ ኣባኻ ኣይሓጣእኩን።
13. እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ ሕነ ይፍደየለይ፡ ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ።
14. ከምቲ ምስላ እቶም ቀዳሞት፡ ክፋእ ካብቶም ክፋኣት ይወጽእ፡ ዚብሎ እዩ። ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ።
15. ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ ንምውት ከልቢ፡ ንሓደ ቘንጪ።
16. ስለዚ እግዚኣብሄር ዳኛ ዀይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ ንሱ ኸኣ ርእዩ ንነገረይ ይከላኸለለይ፡ ፈሪዱ ድማ ካብ ኢድካ የድሕነኒ።
17. ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት እዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ሳኦል፡ እዚ ቓል እዚ ቓልካ ድዩ ወደይ ዳዊት ኢሉ ድማ፡ ሳኦል ዓው ኢሉ በኸየ።
18. ንዳዊት ከኣ በሎ፡ ኣነ ኽፋእ እናገበርኩኻ፡ ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፡ ካባይሲ ንስኻ ትጸድቕ።
19. እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉኒ ኽነሱስ፡ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ጽቡቕ ከም ዝገበርካለይ፡ ሎሚ ኣርኤኻ።
20. ሰብ ንጸላኡኢ ምስ ዚረኽቦስ፡ ብደሓንዶ መገዱ ይሰዶ ስለዚ ሎሚ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ይፍዴኻ።
21. ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ንስኻ ብርግጽ ከም እትነግስ፡ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣብ ኢድካ ኸም እትቐውም፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
22. ሕጂ ኸኣ፡ ብድሕረይ ንዘርኤይ ከይተጽንቶ፡ ንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍኦ፡ ብእግዚኣብሄር ምሐለለይ።

  1Samuel (24/31)