← 1Samuel (23/31) → |
1. | ንዳዊት ድማ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይዋግእዋ፡ ኣዕውዲውን ይወርሩ ኣለው፡ ኢሎም ነገርዎ። |
2. | ሽዑ ዳዊት፡ ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእካ ንቅዒላ ኣድሕና፡ በሎ። |
3. | ግናኸ ንዳዊት እቶም ሰብ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ኸሎና እኳ፡ እንፈርህ ዘሎናስ፡ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኸድና ግና ኺገድድ ደይኰነን በልዎ። |
4. | ሽዑ ዳዊት መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብ ቅዒላ ውረድ፡ ኢሉ መለሰሉ። |
5. | ዳዊት ከኣ ምስ ሰቡ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ፡ ከብቶም ድማ ዘመተ፡ ብርቱዕ ስዕረት ከኣ ሰዐሮም። በዚውን ዳዊት ነቶም ኣብ ቅዒላ ዚነብሩ ኣድሐኖም። |
6. | ኰነ ኸኣ፡ ኣብያታር ወዲ ኣሂሜሌክ፡ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ምስ ሀደመ፡ ኤፎድ ኣብ ኢዱ ሒዙ ወረደ። |
7. | ንሳኦል ድማ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ነገርዎ። ሳኦል ከኣ፡ ናብቲ ማዕጾን መሸጐርን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዐጽዩ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ፡በለ። |
8. | ሳኦል ድማ ንዳዊት ንሰቡን ኪኸቦም ንብዘሎ ህዝቢ ኺዋግኡ ናብ ቅዒላ ኺወርዱ ኣወጀሎም። |
9. | ዳዊት ግና ሳኦል ክፋእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር፡ ኤፎድ ኣምጽእ፡ በሎ። |
10. | ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሳኦል ናብ ቅዒላ መጺኡ ብሰረይ ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ ኸም ዚደሊ፡ ባርያኻ ብርግጽ ሰሚዑ ኣሎ። |
11. | ከምቲ ባርያኻ ዝሰምዖ፡ ሳኦልዶ ኺወርድ እዩ፡ ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ኺህቡኒ እዮም ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ እዚ ንባርያኻ ኣፍልጦ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ፡ ኪወርድ እዩ፡ በለ። |
12. | ዳዊት ድማ፡ ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰበይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ኪህቡኒ እዮም በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኻ እዮም፡ በለ። |
13. | ሽዑ ዳዊትን እቶም ሹድሽተ ሚእቲ ዝዀኑ ሰብን ተላዒሎም ካብ ቅዒላ ወጹ፡ ኪኸድዎ ናብ ዝኽኣሉ ዘበለ ድማ ተመላለሱ። ንሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሀደመ ምስ ነገርዎ፡ ምውጻእ ሐደጎ። |
14. | ዳዊት ከኣ ኣብ በረኻ ኣብ እምባታት ተቐመጠ፡ ኣብቲ ኣብ በረኻ ዚፍ ዘሎ ኸረንውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከኣ ኲሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሀቦን። |
15. | ዳዊት ድማ ሳኦል ንነፍሱ ኺደልያ ኸምዝወጸ ርእዩ፡ ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ዱር ነበረ። |
16. | ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተንሲኡ ናብ ዳዊት ናብቲ ዱር ከደ፡ ኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዔ። |
17. | ንሱ በሎ፡ ኢድ ኣቦይ ሳኦል ኣይትረኽበካን እያ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ፡ ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ። |
18. | ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክልቲኦም ኪዳን ተኣታተው። ዳዊት ድማ ኣብቲ ዱር ተቐመጠ፡ ዮናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ። |
19. | ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊልዓ ደዪቦም ከምዚ በሉ፡ ዳዊት ኣባና ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ እምባታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብደቡብ በረኻ ዘሎ ዂርባ ሓኪላ ተሐቢኡዶ ኣየሎን |
20. | ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ምውራድሲ፡ ከምቲ ኹሉ ድላይ ነፍስኻ ውረድ፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ናትና እዩ። |
21. | ሳኦል ድማ በለ፡ ስለ ዝደንገጽኩምለይ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም። |
22. | ንሱ ኣዝዩ ጐራሕ ከም ዝዀነ፡ ነጊሮምኒ እዮም እሞ፡ በጃኹም ኬድኩም እግሩ ኣብ ኣየናይ ቦታ ኸም ዝረገጸት፡ ኣብኣ ኸኣ መን ከም ዝረኣዮ፡ መሊስኩም ኣርጊጽኩም ፍለጡን ርኣዩን። |
23. | እቲ ንሱ ዚሕብኣሉ ዘበለ መሕብኢታት ርኢኹም ከኣ ፍለጡ፡ እቲ ነገሩ ምስ ኣርገጽኩምዎ ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፡ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር እንተሎ፡ ኣብ ኲሎም ኣሽሓት ይሁዳ ኽደልዮ እየ። |
24. | ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ። ዳዊትን ሰቡን ግና ኣብ በረኻ ብወገን ደቡብ ኣብ ዘሎ ጐልጐል ነበሩ። |
25. | ሳኦልን ሰቡን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ። ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ኸውሒ ወሪዱ፡ ኣብ በረኻ ማዖን ተቐመጠ። ሳኦል ድማ፡ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዐበ። |
26. | ሳኦል ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ነቲ ኸረን በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ። ሳኦልን ሰቡን ንዳዊትን ሰቡን ኪሕዝዎም ከቢቦምዎም ነበሩ እሞ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ሀደመ። |
27. | ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዎ ኣለው እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ፡ በሎ። |
28. | ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ ምስዓብ ተመልሰ፡ ንፍልስጥኤማውያን ኪቃባበሎም ከደ፡ ስለዚ ኸኣ ነታ ቦታ ሴላዕማሕልቆት ኢሎም ሰመይዋ። |
← 1Samuel (23/31) → |