1Samuel (22/31)  

1. ዳዊት ድማ ካብኡ ኸይዱ ናብ በዓቲ ኣዱላም ሀደመ። ኣሕዋቱን ብዘለው ቤት ኣቡኡን እዚ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ናብኡ ወረዱ።
2. ኲሎም ጭኑቓት ሰብን ኲሎም ሰብ ዕዳን ኲሎም ነፍሶም እተመረረት ሰብን ናብኡ ተኣከቡ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሓለቓ ዀነ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ከኣ ምስኡ ነበሩ።
3. ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ሚጽጳ ናብ ሞኣብ ከደ፡ ንንጉስ ሞኣብ ከኣ፡ ኣምላኽ ዝገበረኒ ኽሳዕ ዝፈልጥሲ፡ በጃኻኣቦይን ኣደይን ምሳኻትኩም ኪዀኑ ይምጽኡ፡ በሎ።
4. ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምጽኦም፡ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልታት ከኣ ምስኡ ተቐመጡ።
5. ነብዪ ጋድ ድማ ንዳዊት፡ ኣብዚ እምባ ኣይትቀመጥ፡ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሓረት መጸ።
6. ሳኦል ድማ፡ ንዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከም እተጋህዱ፡ ሰምዔ። ሳኦል ከኣ ኣብ ጊብዓ ዂናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፡ኲሎም ገላውኡ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ።
7. ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለው ገላውኡ፡ ኣቱም ብንያማውያን፡ እስከ ስምዑ፡ ወዲ እሴይሲ ንዂሉኹምዶ ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ ንዂሉኹምዶኸ ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ ንዂሉኩምዶኸ ሓላቑ ሽሕን ሚእትን ኪገብረኩም እዩ
8. ኲሉኹም ደኣ እተማሓሐልኩምለይ እዩ። ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም እተኣታተወ፡ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የልቦን። ወደይ ንጊልያይ ከምዚ ናይ ሎሚ ንምድባቕ ኬተንስኣለይ ከሎ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝሐመመለይን ዝገለጸለይን የልቦን፡ በሎም።
9. ሽዑ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ፡ ምስቶም ገላው ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንወዲ እሴይ ናብ ኣኒሜሌክ ወዲ ኢሉ ዝነበሩ፡ ንወዲ እሴይ ናብ ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብ፡ ኣብ ኖብ መጺኡ ርእየዮ።
10. ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፡ ምግቢውን ሀቦ፡ ሴፍ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ሀቦ፡ ኢሉ መለሰ።
11. ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብን ንብዘላ ኣቦኡ፡ ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናትን ልኢኹ ጸውዖም። ኲሎም ከኣ ናብ ንጉስ መጹ።
12. ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ ኣሒጡብ፡ እስኪ ስምዓኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ።
13. ሳኦል ድማ፡ ንሱ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ፡ ንድብቕ ኪትንስኣኒ፡ ንእኡ እንጌራን ሴፍን ብምሃብካ፡ ኣብ ክንዳኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፡ ስለምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን እተማሓሐልኩምለይ በሎ።
14. ኣሂሜሌክ ከኣ ንንጉስ፡ ካብ ኲሎም ገላውኻኸ ከም ዳዊት ገይሩ እተኣምነ፡ ሓሙ ንጉስውን ዝዀነ፡ ዚእዘዘካ ድማ፡ ኣብ ቤትካውን ዝኸበረ፡ መን እዩ
15. ሎሚ ድየ ንኣምላኽ ክጥይቐሉ ዝጀመርኩ እዝስ ካባይ ይርሐቕ፡ ጊልያኻ እዚ ዂሉ ነገር እዚ፡ ንእሽቶ ዀነ ወይ ዓብዪ፡ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ንጉስ ንጊልያኡን ንብዘላ ቤት ኣቦይን ነገር ኣይጽዓኖም፡ ኢሉ መለሰሉ።
16. ንጉስ ግና፡ ኣሂሜሌክ፡ ንስኻን ብዘላ ቤት ኣቦኻን ብርግጽ ክትሞቱ ኢኹም፡ በለ።
17. እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቘሙ ዘብዔኛታት፡ ዳዊት ከም ዝሀደመ ፈሊጦም ከለው ስለ ዘይነገሩኒ፡ ኢዶምውን ምስኡ ስለ ዝዀነት፡ ዜርኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም፡ በሎም። እቶም ገላው ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ኪዝርግሑ ኣይፈተውን።
18. ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶኤግ፡ ንስኻ ዜርካ ነዞም ካህናት ቅተሎም፡ በሎ። ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ድማ ዞይሩ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ዝለበሱ ሰባት ቀተለ።
19. ንኖብ ነታ ኸተማ ኻህናት ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዓ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚጠብው ሕጻናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሴፍ ቀተለ።
20. ሓደ ኽብቶም ደቂ ኣሂሜሌክ፡ ወዲ ኣሒጡብሲ፡ ኣብያታር ዝስሙ ኣምሊጡ ደድሕሪ ዳዊት ሀደመ።
21. ኣብያታር ከኣ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ።
22. ዳዊት ድማ ንኣብያታር። ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ኸሎ፡ እዚ ንሳኦል ርግጽ ከም ዚነግሮ፡ ሽዑ መዓልቲ ፈሊጠ። ንዂለን ነፍሳት ቤት ኣቦኻ ምኽንያት ሞተን ኣነ እየ።
23. እቲ ንነፍሰይ ዚደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፡ ንስኻ ምሳይ ክትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

  1Samuel (22/31)