1Samuel (20/31)  

1. ዳዊት ከኣ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሀዲሙ ናብ ቅድሚ ዮናታን መጺኡ፡ ኣቦኻ ኸምዚ ገይሩ ንህይወተይ ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ ገይረ እየ ኣበሳይከ እንታይ እዩ ሓጢኣተይሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ በለ።
2. ንሱ ድማ፡ ያእ እዝስ የርሕቆ፡ ኣይትመውትን። እንሆ፡ ኣቦይሲ ዓብዪ ነገር ኰነ ንእሽቶ ነገር ንኣይ ከይነገረ ዚገብሮ የብሉን፡ ስለምንታይ ደኣ ኣቦይ እዚ ነገር እዚ ይሐብኣለይ እዝስ ዘይኸውን እዩ፡ በሎ።
3. ዳዊት ግና መሊሱ፡ ኣቦኻ፡ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ዮናታን ምእንቲ ኸይጒሂ እዚ ኣይፍለጥ፡ ይብል፡ ግናኸ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ፡ ኢሉ መሐለ።
4. ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፡ ነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኽገብረልካ እየ፡ በሎ።
5. ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ እንሆ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ይግብኣኒ እዩ፡ ግናኸ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እኺድ ሕደገኒ።
6. ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፡ ንብዘለው ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ቤትልሄም ከተማኡ ኺጐዪ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ በሎ።
7. ደሐን እንተ በለካ፡ ንጊልያኻ ደሓን እዩ። ኣዝዩ እንተ ዀረየ ግና፡ ክፋእ ከም ዝመደበ ፍለጥ።
8. እምበኣርስኸ ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን እግዚኣብሄር ካብ ኣእቶኻዮ፡ ንጊልያኻ ምሕረት ግበረሉ። ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ስለምንታይ ናብ ኣቦኻ ተብጽሐኒ ባዕልኻ ቕተለኒ፡ በለ።
9. ዮናታን ከኣ፡ እዝስ ካባኻ ይርሐቕ፡ ካብ ኣቦይ ክፋእ ከም እተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፡ ኣነኸ ኣይነግረካንዶ እየ በለ።
10. ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፡ ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ፡ መን ይነግረኒ በሎ።
11. ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ንዓናይ፡ ናብ መሮር ወጹ።
12. ዮናታን ድማ ንዳዊት በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ነቦይ ብዛዕባ ዳዊት መርሚረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ደሓን እንተሎ፡ ሽዑ ልኢኸ እንተ ዘይነገርኩኻ፡
13. እግዚኣብሄር ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። ኣቦይ ንኽፈእካ እንተ ደለየ ግና፡ ክነግረካ እየ፡ ብደሓንካ ምእንቲ ኽትከይድ ድማ፡ ክሰደካ እየ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፡ ምሳኻ ይኹን።
14. ገና ብህይወት እንተ ኣልየስ ምእንቲ ኸይመውት፡ ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ።
15. እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኤ እኳ፡ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርጽ።
16. ሽዑ ዮናታን፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቲ ዳዊት ይድለዮ፡ ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን ኣተወ።
17. ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ስለቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ ኣምሐሎ።
18. ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትሰኣን ኢኻ።
19. ሰለስተ መዓልቲ ምስ ገበርካ ግና ቀልጢፍካ ውረድ እሞ፡ ናብቲ እቲ ኽፋእ ኪግበር እተሐስበላ መዓልቲ ተሐቢእካላ ዝነበርካ ቦታ ምጻእ፡ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ተቐመጥ።
20. ኣነ ኸኣ በቲ ጎቦኡ ንዕላማ ኸም ዝውርውር፡ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ።
21. እንሆ ድማ፡ ነቲ ወዲ፡ ኪድ ነቲ ፍላጻታት ድለዮ ኢለ ኽሰዶ እየ፡ ነቲ ወዲ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻ ኽነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ፡ እንተ በልክዎ፡ ሽዑ ንኣኻ ደሓን እዩ እሞ፡ ንዓ፡ ገለ ነገር የልቦን፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ።
22. ነቲ መንእሰይ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ፡ እንተ በልክዎ ግና፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ።
23. ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን እተዛረብናዮ ነገር ከኣ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ ምንጎይን ኣብ ምንጎኻን እዩ፡ በለ።
24. ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።
25. ንጉስ ድማ ኣብ መሮር ተሐብኤ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ድማ ከም ልማዱ ኣብ መንበሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዘሎ መንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከኣ ተንሲኤ፡ ኣብኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ምቕማጥ ዳዊት ከኣ ጥራያ ነበረት።
26. ሳኦል ግና፡ ገለ ረኺብዎ እዩ፡ ኣይነጽሄን፡ ብርግጽ ኣይነጽሄርን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይተዛረበን።
27. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እታ ወርሒ እትወጸላ፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ እታ ምቕማጥ ዳዊት ጥራያ ጸንሔት፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታን ወዱ፡ ወዲ እሴይሲ ትማሊ ዀነ፡ ሎሚ ዀነ ናብ መኣዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ በሎ።
28. ዮናታን ድማ ንሳኦል መለሰሉ፡ ዳዊት ናብ ቤትልሄም ኪኸይድ ኣጽኒዑ ሊሚኑኒ፡
29. ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ኣሎና እሞ፡ ሓወይ ጸዊዑኒ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቅስሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምሉቕ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ፡ በለኒ። ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ።
30. ሽዑ ዂራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነዲዱ፡ ኣታ ወዲ እዛ ጠዋይ ዓለወኛ፡ ንነውርኻን ንነውሪ ሕፍረት ኣዴኻን ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሐሬኻስ ኣይፈልጥን ድዩ
31. ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ፡ ንስኻ ዀነ ሐደው መንግስትኻ ኣይትጸንዕን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣለይ፡ በሎ።
32. ዮናታን ከኣ ነቦኡ ሳኦል፡ ስለምንታይ እዩ ዚመውት እንታይከ ገይሩ እዩ ኢሉ መለሰሉ።
33. ሳኦል ድማ ኪወግኦ ዂናቱ ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝመደበ። ፈለጠ።
34. ዮናታን ድማ ብዂራ ነዲዱ ኻብቲ መኣዲ ተንስኤ፡ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘስተሐፈሮ ምእንታኡ ጒህዩ ነበረ እሞ፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ወርሒ እንጌራ ኣይበልዔን።
35. ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት እተሳማምዖ ናብ መሮር ወጸ፡ ንእሽቶ ወዲውን ምስኡ ነበረ።
36. ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ ጒየ እዩ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላጻታት ድለዮ፡ በሎ። እቲ ወዲ ኺጒዪ ኸሎ፡ ንሱ ድማ ፍላጻ ወርዊሩ ብልዕሉኡ ኣሕለፈ።
37. እቲ ወዲ ኣብታ ዮናታን ድላጻ ዝወርወረላ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ዮናታን ደድሕሪ እቲ ወዲ ጸዊዑ፡ እቲ ፍላጻ ኽንየውካዶ ኣይኰነን በሎ።
38. ዮናታን ድማ፡ ተሎ ኢልካ ቐልጥፍ፡ ደው ኣይትበል፡ኢሉ ደድሕሪ እቲ ወዲ ጨደረ። እቲ ጊልያ ዮናታን ድማ ነቲ ፍላጻታት ኣኪቡ ናብ ጐይታኡ መጾ።
39. ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡እቲ ወዲ ገለ እኳ ኣይፈለጠን።
40. ዮናታን ከኣ መሳርያኡ ነቲ ጊልያኡ ሂቡ፡ ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ፡ በሎ።
41. እቲ ወዲ ምስ ከደ ድማ፡ ዳዊት ካብ ወገን ደቡብ ተንሲኡ፡ ብገጽ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሳዕ ፍግም በለ። ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዐሙ፡ ብሓደ ዀይኖምውን በኸዩ፡ ምናዳ እኳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ።
42. ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርኤይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ።

  1Samuel (20/31)