1Samuel (19/31)  

1. ሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታን ንዂሎም ገላውኡን ንዳዊት ኪቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ኣብ ዳዊት ብዙሕ ፍቕሪ ነበሮ።
2. ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣቦይ ሳኦል ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ጽባሕ ተጠንቀቕ፡ ናብ ስቱር ቦታ ኣግሊስካውን ተሐባእ።
3. ኣነ ኸኣ ኣብታ ንስኻ ዘሎኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፡ ኣነ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፡ ገለ እንተ ርኤኹውን ክነግረካ እየ፡ ኢሉ ነገሮ።
4. ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል፡ ዳዊት ኣይበደለካን፡ ግብሩ ኸኣ ንኣኻ ዓብዪ ጥቕሚ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። ነፍሱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ድማ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን ነዚ ርኢኻ ተሐጐስካ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታልካ ኣብ ንጹህ ደም እትሐጥእ ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረበ።
5. ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል፡ ዳዊት ኣይበደለካን፡ ግብሩ ኸኣ ንኣኻ ዓብዪ ጥቕሚ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። ነፍሱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ድማ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን ነዚ ርኢኻ ተሐጐስካ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታልካ ኣብ ንጹህ ደም እትሐጥእ ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረበ።
6. ሳኦል ከኣ ዘረባ ዮናታን ሰምዔ፡ ሳኦል ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ ኣይመውትን እዩ፡ ኢሉ መሐለ።
7. ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ጸውዖ፡ ዮናታን ከኣ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
8. መሊሱ ድማ ውግእ ኰነ። ዳዊት ከኣ ወጺኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ፡ ብርቱዕ ስዕረትውን ሰዐሮም፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ሀደሙ።
9. እቲ ኽፋእ መንፈስ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጾ፡ ንሱ ዂናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ።
10. ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዂናት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ ደለየ፡ ንሱ ግና ካብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፡ እቲ ዂናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ። ዳዊት ከኣ ሀዲሙ በታ ለይቲ እቲኣ ኣምለጠ።
11. ሳኦል ድማ፡ ሕልው ሐዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኪቐትልዎስ፡ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግና፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሐንካ፡ ጽባሕ ክትመውት ኢኻ፡ ኢላ ነገረቶ።
12. ሚካል ከኣ ንዳዊት ብመስኮት ኣውረደቶ፡ ንሱ ኸደ፡ ሀዲሙውን ኣምለጠ።
13. ሚካል ድማ ምስሊ ጣኦት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣንበረቶ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ መኼዳ ጽጒሪ ጤል ገበረትሉ፡ ክዳንውን ከደነቶ።
14. ሳኦል ንዳዊት ኬምጽእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ። ንሱ ሓሚሙ ኣሎ፡ በለት።
15. ሽዑ ሳኦል፡ ምእንቲ ክቐትሎስ፡ ብዓራት ጌርኩም ኣደይቡለይ፡ ኢሉ ንዳዊት ኪርእይዎ ነቶም ልኡኻት ሰደዶም።
16. እቶም ልኡኻት ምስ ኣተው ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ምስሊ ጣኦት መኼዳ ጸጒሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ።
17. ሽዑ ሳኦል ንሚካል፡ ስለምንታይ ነቲ ጸላእየይ ኬምልጥ ይኼድ ብምሕዳግኪ ዝጠበርክኒ በላ። ሚካል ከኣ ንሳኦል፡ ንሱ፡ ክኸይድ ሕደግኒ፡ እንተ ዘይኰይኑስ ክቐትለኪ እየ፡ ኢሉኒ፡ በለቶ።
18. ዳዊት ድማ ሀዲሙ ኣምለጠ፡ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ ኸኣ መጸ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ዂሉ ድማ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ከኣ ናብ ናዮት ከይዶም ኣብኡ ተቐመጡ።
19. ንሳኦል ድማ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
20. ሳኦል ንዳዊት ኪሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከኣ፡ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዚመርሖም፡ ጉባኤ ነብያት ኪንበዩ ምስ ረኣዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል ድማ መጸ፡ ንሳቶም ከኣ ተነበዩ።
21. እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ጊዜ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ድማ ተነበዩ።
22. ሽዑ ንሱ ናብ ራማ ኸደ፡ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዔላ ምስ መጸ ድማ፡ ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለውኢሉ ጠየቐ። እንሆ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣለው፡ በሎ።
23. ንሱ ኸኣ ናብኡ፡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኸደ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ መጾ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዚመጽእ ከኣ እናተነበየ ኸደ።

  1Samuel (19/31)