1Samuel (18/31)  

1. ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድኤ፡ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተኣሰረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ።
2. ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ። ናብ ቤት ኣቦኡውን ኪምለስ ኣይፈቐደሉን።
3. ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተኣታተው።
4. ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ ኣውጺኡ ንዳዊት ሀቦ፡ ክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሀቦ።
5. ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዂሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሐለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዂሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላው ሳኦልን ተፈተወ።
6. ኰነ ድማ ምስ ኣተው፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ። ካብ ኲለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮ ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ።
7. እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ፡ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ።
8. ሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዔ፡ እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ እሞ በለ፡ ንዳዊት እልፊ ሀቦኦ፡ ንኣይ ድማ ሽሕ ሀባኒ፡ ደጊም መንግስቲ ጥራይ እያ ተሪፋቶ ዘላ።
9. ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፋእ ዓይኒ ጠመቶ።
10. ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ክፋእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ኣብ ማእከል ቤት ከኣ ተነበየ፡ ዳዊት ድማ ከም ኲሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ኣብ ኢድ ሳኦል ከኣ ኲናት ነበረ።
11. ሳኦል ድማ፡ ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣላጊበ ክቐትሎ እየ፡ ኢሉ ዂናት ወርወረ። ዳዊት ከኣ ክልተ ሳዕ ካብ ቅድሚኡ ኣግለሰ።
12. እግዚኣብሄር ከኣ ሳኦል ኣግሊሱ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዳዊት ፈርሆ።
13. ስለዚ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝብ ኸኣ ይወጽእን ይኣቱን ነበረ።
14. ዳዊት ድማ ኣብ ኲሉ መገዱ ኣስተውዓሊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ።
15. ሳኢል ድማ ኣዝዩ ኣስተውዓሊ ኸም ዚዀነ ምስ ረኣየ። ንእኡ ፈርሆ።
16. ብዘለው እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ቅድሚኦም ይወጹን ይኣቱን ነበሩ እሞ፡ ንዳዊት ፈተውዎ።
17. ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ እንሆ፡ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኰነካ ሂበካ ኣሎኹ፡ ሓንትስ ጽኑዕ ወዲ ኹነለይ፡ ውግእ እግዚብሄር ከኣ ተዋጋእ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ትኹን እምበር። ኢደይሲ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በለ።
18. ዳዊት ድማ ንሳኦል፡ ሓሙ ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ ህይወተይከ እንታይ እዩ ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ በሎ።
19. ኰነ ኸኣ፡ ሜራብ ጓል ሳኦል፡ በታ ንዳዊት እትምርዐወላ ጊዜ፡ ንሳ ንዓድርኤል፡ እቲ መሖላታዊ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋህበት።
20. ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዳዊት ፈተወቶ፡ እዚ ንሳኦል ነገርዎ፡ እቲ ነገር ከኣ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበሎ።
21. ሳኦል ድማ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ፡ ንእኣ ኽህቦ እየ፡ በለ። ስለዚ ሳኦል ንዳዊት፡ ሎሚውን ካልኣይ ሳዕ ሓሞይ ክትከውን ኢኻ፡ በሎ።
22. ሳኦል ከኣ ነቶም ገላውኡ፡ ንዳዊት፡ እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ ኣሎ፡ ኲሎም ገላውኡ ድማ ፈትዮምኻ ኣለው፡ ሕጂ ኸኣ ሓሙ ንጉስ ኩን፡ ኢልኩም ብሕቡእ ተዛረብዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
23. እቶም ገላው ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ እዝኒ ዳዊት ተዛረቡ። ዳዊት ከኣ፡ ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብኣይ ክነሰይ። ሓሙ ንጉስ ምዃንሲ ንእሽቶ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ በለ።
24. እቶም ገላው ሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ከምዚ ዝበለ ተዛሪቡ፡ ኢሎም ነገርዎ።
25. ሳኦል ድማ በለ፡ ንዳዊት ከምዚ በልዎ፡ ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ፡ ብጀካ ሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን፡ ዚደልዩ ብልዒት የብሉን። ሳኦል ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኬውድቖ ሐሲቡ ነበረ።
26. እቶም ገላውኡ ኸኣ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ነገርዎ፡ ሽዑ ሓሙ ንጉስ ኪኸውን ነገሩ ንዳዊት ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ። ገና እተን መዓልትታት ከይኣኸላ ድማ፡
27. ዳዊት ተንሲኡ፡ ንሱ ምስ ሰቡ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ዳዊት ከኣ ሓሙ ንጉስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እቲ ዕልቦኦም ኣምጽኤ፡ ብምሉእ ቊጽሮም ድማ ንንጉስ ኣወፈየ። ሳኦል ከኣ ጓሉ ሚካል ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ።
28. ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ ረኣየን ፈለጠን። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ፈተወቶ።
29. ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣዝዩ ፈርሆ፡ ሳኦል ምሉእ ዕድሚኡ ጸላኢ ዳዊት ኰነ።
30. ሽዑ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ወጹ፡ ኰነ ድማ፡ ብዝወጹላ መጠን፡ ካብ ኲሎም ገላው ሳኦል ዳዊት ኣስተውዓሊ ነበረ፡ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ።

  1Samuel (18/31)