1Samuel (17/31)  

1. ፍልስጥኤማውያን ድማ ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሶኮ ናይ ይሁዳ ተኣከቡ፡ ኣብ ኤፈስዳሚም ኣብ መንጎ ሶኮን ኣዜቃን ሰፈሩ።
2. ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ከቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋግኡ ድማ ተሰለፉ።
3. ፍልስጥኤማውያን ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ እስራኤል ከኣ ነቲ ኸረን፡ ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ለሰ ነበረ።
4. ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ጐልያድ ዝስሙ ብዓል ጋት፡ ሽድሽተ እመትን ስድርን ዝቚመቱ፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ወጸ።
5. ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ድማ ነበሮ፡ ከም ቅራፍ ዓሳ ዝበለ ድርዒውን ተኸዲኑ ነበረ። ሚዛን እቲ ድርዒ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሲቃል ኣስራዚ እዩ።
6. ኣብ ሰለፉቱ ድማ ስረ ኣስራዚ፡ ኣብ መንጎ መናኲቡ ኸኣ መዝረቕ ኣስራዚ ነበሮ።
7. ዛብያ ሕላሱውን ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ፡ እቲ ብልሒ ሕላሱ ኸኣ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ሓጺን ይምዘን ነበረ፡ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
8. ተንሲኡ ኸኣ ነቶም ስሉፋት እስራኤል፡ ስለምንታይ ኢኹም ንውግእ ክትስለፉ ዝወጻእኩም ኣነ ፍልስጥኤማዊዶ ኣይኰንኩን፡ ንስኻትኩም ከኣ ገላው ሳኦል ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፡ ናባይ ይውረድ።
9. ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ኪቐትለኒ እንተ ኸኣለ፡ ንሕና ባሮትኩም ክንከውን፡ ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐተልክዎ ግና፡ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ክትግዝኡና፡ ኢሉ ጨደረሎም።
10. እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲኹ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ስሉፋት እስራኤል ኣባጭየዮም ኣሎኹ እሞ፡ ንሓድሕድና ኽንዋጋእሲ፡ ሓደ ሰብኣይ ሀቡኒ፡ በለ።
11. ሳኦልን ብዘሎ እስራኤልን እዚ ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ፈርሁን ተሸበሩን።
12. ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሴይ ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ ብዓል ቤትልሄም ናይ ይሁዳ ነበረ። እቲ ሰብኣይ እቲ ሾሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ንሱ ብዘበን ሳኦል ኣብ መንጎ ሰባት ዕድሜኡ ዝሐለፈ ኣረጊት ነበረ።
13. እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ደድሕሪ ሳኦል ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስም እቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ሰለስቲኦም ደቁ ኸኣ፡ እቲ በዂሪ ኤልያብ፡ እቲ ኻልኣዩ ኣቢናዳብ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይብሀሉ ነበሩ።
14. ዳዊት ከኣ ንሱ እቲ ንእሽቶኦም ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ድማ ደድሕሪ ሳኦል ከዱ።
15. ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤትልሄም ኪሕሉ ይመላለስ ነበረ።
16. እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ብጊሓትን ምሸትን ቀሪቡ ኣብ ቅድሚኦም ይቐውም ነበረ።
17. እሴይ ከኣ ንወዱ ዳዊት፡ ሓደ ኤፋ ኻብዚ ቘሎ እዚ፡ እዚ ዓሰርተ እንጌራ እዚ ድማ ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኪድ።
18. እዘን ዓሰርተ ጐጎ ኣጂቦ እዚኤን ከኣ ነቲ ሐለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን እንተለው ርኢኻስ፡ ካባታቶም ድማ መፈለጥታ ኣምጽኣለይ፡ በሎ።
19. ሳኦልን ንሳቶምን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ።
20. ንጽብሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተንስኤ። ነተን ኣባጊዕ ኣብ ሓላዊ ሐዲጉ፡ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ጾሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኺስለፍ ዝወጸ ሰራዊት ንውግእ ኪጭድር ከሎ ድማ፡ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መጸ።
21. እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ጭፍራ ንጭፍራ ኺጋጠሙ ተሳላለፉ።
22. ዳዊት ድማ ነቲ ምሱ ዝነበረ ኣቓሑ ኣብ ኢድ ሓላው ኣቓሑ ሐዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፡ መጺኡ ኸኣ ነሕዋሩ ደሓን ምህላዎም ሐተቶም።
23. ንሱ ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ ብዓል ጋት፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ካብቶም ስሉፋት ፍልስጥኤማውያን ተንሲኡ፡ ከምቲ ዘረባ ቐደሙ ገይሩ ተዛረበ፡ ዳዊትውን ሰምዖ።
24. ኲሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረኣይዎ ኻብ ቅድሚኡ ሀደሙ፡ ኣዝዮምውን ፈርሁ።
25. እቶም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ነዚ ተንሱኡ ዘሎ ሰብኣይ እዚ ትርእይዎዶ ኣሎኹም ንእስራኤል ኬባጩ እዩ ተንሲኡ ዘሎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነዚ ዚቐተል ሰብኣይ ንጉስ ኬጸግዎ፡ ጓሉ ኸኣ ኪህቦ፡ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ናጻ ኺገብሮ እዩ፡ በለ።
26. ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለው ሰባት፡ እዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዜባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ቐቲሉስ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሐቐ ሰብኣይከ እንታይ ይግበሮ ኢሉ ተዛረቦም።
27. እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነቲ ዚቐትሎ ሰብኣይ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢሎም ከምተን ቃላት ገይሮም መለሱሉ።
28. ኤልያብ፡ እቲ ዓብዪ ሓው ድማ ምስቶም ሰባት ኪዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ፡ ኲራ ኤልያብ ኣብ ዳዊት ነዲዱ፡ እንታይ ክትገብር ናብዚ ወረድካ እተን ሒደት ኣባጊዕከ ኣብ በረኻ ንመን ገደፍካየን ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘሎኻ እሞ፡ ትዕቢትካን ክፍኣይ ልብኻን ኣነ ፈሊጠዮ ኣሎኹ፡ በሎ።
29. ዳዊት ድማ፡ እሞ ሕጂኸ እንታይ ገይረ እየ ቃልዶ ኣይኰነን ንሱ በለ።
30. ካብኡ ናብ ካልእ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ከም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ህዝቢውን ከምቲ ቐዳማይ ዘረባ መለስሉ።
31. እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዔ ኸኣ፡ ንሳኦል ነገርዎ፡ ንሱ ድማ ናብኡ ኣምጽኦ።
32. ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ብዛዕባ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፡ ጊልያኻ ኸይዱ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኺዋጋእ እዩ፡ በሎ።
33. ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ በሎ።
34. ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ጊልያኻ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይጓሲ ነበረ፡ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ ድማ፡
35. አነ ደድሕሪኡ ወጺኤ እቐትሎ፡ ካብ ኣፉውን ኤግድሮ ነበርኩ። ምስ ተንስኣኒ ኸኣ፡ ብጭሕሙ ሒዘ ወቒዔ እቐትሎ ነበርኩ።
36. ጊልያኻ ኣንበሳን ድብን ቀቲሉ እዩ፡ እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ኸኣ ንሰራዊት እቲ ህያው ኣምላኽ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ኪኸውን እዩ፡ በሎ።
37. ዳዊት ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሐነኒ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኼድሕነኒ እዩ፡ በለ። ሳኦል ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ በሎ።
38. ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳውንቱ ኸደኖ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ቊራዕ ርእሲ ኣስራዚ ገበረሉ፡ ድርዒውን ከደኖ።
39. ዳዊት ድማ ሴፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዐጥቀ፡ ምኻድ ኣይፈተንን ነበረ እሞ፡ ኪኸይድ ጀመረ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን እየ እሞ፡ ምስ እዝስ ክኸይድ ኣይክእልን እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ካብኡ ኣራገፎ።
40. በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሐርዩ ናብቲ ኺጓሲ ኸሎ ምስኡ ዝነበረ ቚርባበሻን ማሕፋዳን ኣንበሮ፡ ወንጭፉውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብት ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ቐረበ።
41. እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ እናሰጐመ ናብ ዳዊት ቀረበ። እቲ ዋልታኡ ዚጸውር ሰብኣይ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
42. እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ተኲሩ ምስ ረኣዮ፡ ንሱ ቐይሕ መልክዔኛ ኰተት ነበረ እሞ፡ ነዐቖ።
43. እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ብበትሪ እትመጻንስ፡ ኣነ ኸልቢዶ እየ በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ብኣማልኽቱ ረገሞ።
44. እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ንዓ ናባይ እሞ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ክህቦም እየ፡ በሎ።
45. ዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ በሎ፡ ንስኻ ብሴፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ ኣሎኻ፡ ኣነ ግናብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ ኣሎኹ።
46. ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ኪህበኒ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክቐትለካ፡ ርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ፡ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ እሞ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ኲላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ።
47. እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዝኣብሄር ብሴፍን ብዂናትን ከም ዘይኰነ ዜድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩ ኣብ ኢድና ኺህበና እዩ።
48. ኰነ ኸኣ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ተንሲኡ ኸደ፡ ንዳዊት ኪቃባበሎ ምስ ቀረበ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ።
49. ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ቚርባበሻ ኣእትዩ፡ ካብኣ ኸኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፎ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ግንባሩ ኣንሀሎ፡ እታ እምኒ ኸኣ ናብ ግምባሩ ኣተወት፡ ንሱ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ።
50. በዚ ኸምዚ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ኢድ ዳዊት ግና ሴፍ ኣይነበረን።
51. ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፡ ነቲ ሴፍ ወሱዱ ድማ ካብ ሰገባኡ መሰቶ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ርእሱ ቘረጾ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ሀደሙ።
52. ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተንሲኦም ኣውክዑ እሞ፡ ክሳዕ እታ ንጋት እትኣትወላ፡ ክሳዕ ደጌታት ዔቅሮን ሰጐጒዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጋትን ክሳዕ ዔቅሮንን ተወጊኦም ወደቑ።
53. ደቂ እስራኤል ከኣ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፡ ነቲ ሰፈሮም ዘምትዎ።
54. ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ ዮርሳሌም ኣምጽኦ። ኣጽዋሩ ግና ኣብ ድንኳን ኣንበሮ።
55. ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኺቃባበሎ ኺወጽእ ምስ ረኣዮ፡ ንኣብኔር ሓለቓ ሰራዊት። ኣታ ኣብኔር፡ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን እዩ በሎ። ኣብኔር ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ህያው ነድስኻ ኢለ ዘይፈልጦ፡ በለ።
56. እቲ ንጉስ ድማ፡ እምበኣርሲ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን ምዃኑ ንስኻ ሕተት፡ በለ።
57. ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ። ኣብኔር ወሲዱ ናብ ቅድሚ ሳኦል ኣእተዎ፡ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ኣብ ኢዱ ነበረት።
58. ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ፡ ወዲ መን ኢኻ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ወዲ ጊልያኻ እሴይ ብዓል ቤትልሄም እየ፡ በለ።

  1Samuel (17/31)