1Samuel (15/31)  

1. ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፡ ክቐብኣካ እግዚኣብሄር ንኣይ ለኣኸኒ። ሕጂ ኸኣ ነቲ ደሃይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ።
2. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንእስራኤል፡ ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ፡ እቲ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ጸኒሑ ዝገበሮ ዘኪረዮ ኣሎኹ።
3. ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቅ ተዋግኣዮ፡ ዘለዎ ዘበለ ዂሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ፡ ኣይትንሓፎ፡ ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፡ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል።
4. ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ኣኽቲቱ ኣብ ጥላኢም ቈጸሮም፡ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፡ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ኰነ።
5. ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቅ መጸ፡ ኣብ ለሰ ኸኣ ድብቕ ገበረ።
6. ሳኦል ድማ ንቄናውያን፡ ንስኻ ንዂሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይቡ ኸለው፡ ምሕረት ጌርካሎም ኢኻ እሞ፡ ምሳታቶም ከየጥፍኣኩምሲ ኺድ፡ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውረዱ፡ በሎም። ቄናውያን ከኣ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ኣግለሱ።
7. ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር ሰዐሮም።
8. ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከኣ ብህይወቱ ሐዞ፡ ንብዘሎ እቲ ህዝቢውን ብስሕለት ሴፍ ፈጺሙ ኣጥፍኦ።
9. ሳኦልውን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን ክልተ ወለድ ዘበላ እንስሳን ገንሸልን ጽቡቕ ዘበለ ዂሉን ኬጥፍእዎ ኣይፈተውን እሞ፡ ነሐፍዎ፡ እቲ ንዕቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈጺሞም ኣጥፍእዎ።
10. ሽዑ፡ ሳኦል ካብ ምስዓባይ ተመሊሱ ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመ፡ ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዐስ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መጸ። እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዩ እሞ፡ ለይቲ ብምልእታ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
11. ሽዑ፡ ሳኦል ካብ ምስዓባይ ተመሊሱ ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመ፡ ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዐስ ኣሎኹ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መጸ። እዚ ንሳሙኤል ኣጒህዩ እሞ፡ ለይቲ ብምልእታ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
12. ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ንግሆ ኼራኽቦ ኢሉ፡ ኣንጊሁ ተንስኤ። ሽዑ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ መጺኡ ኣሎ፡ እንሆ ድማ፡ ንእኡ ዚኸውን ሐወልቲ ኣቚሙ፡ ዞይሩ ድማ ተሳጊሩ፡ ናብ ጊልጋል ከኣ ወሪዱ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ።
13. ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መጸ። ሳኦል ከኣ፡ ንስኻ ብእግዚኣብሄር ብሩኽ ኩን፡ ኣነ ቓል እግዚኣብሄር ፈጺመ እየ፡ በሎ።
14. ሳሙኤል ግና፡ እዚ ኣባጊዕ ቤዕ ኪብላን ኣሓ እምባሕ ኪብላን ናቋኤን ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘሎኹ ደኣ እንታይ እዩ በለ።
15. ሳኦል ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምጽእወን፡ ካብተን ኣባጊዕን ኣሓን ዝጸበቓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺስውእወን ኢሎም ዝነሐፍወን እየን፡ ነተን ዝተረፋ ግና ፈጺምና ኣጥፊእናየን ኢና፡ በለ።
16. ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በሎ።
17. ሳሙኤል ድማ፡ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ንእሽቶ ኸሎኻ፡ ንስኻ ሓለቓ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንካን እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብኣካ።
18. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣን፡ ንኣማሌቃውያን፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም፡ ክሳዕ ዚውድኡ ድማ ተዋግኣዮም፡ ኢሉ ንመገዲ ሰደደካ።
19. ስለምንታይ ኢኻ ደሃይ እግዚኣብሄር ዘይሰማዕካ ስለምንታይከ ናብቲ እተዘምተ ተወርዊርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ዝገበርካ በሎ።
20. ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ደሃይ እግዚኣብሄር ሰሚዔስ በታ እግዚኣብሄር ዝለኣኸኒ መገዲ ኸይደ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጺኤዮ ኣሎኹ፡ ንኣማሌቃውያንውን ፈጺመ ኣጥፊኤዮም።
21. ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ኪስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡ በሎ።
22. ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሀጒሶ እዩ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ።
23. ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቊልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዐቐካ፡ በለ።
24. ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሄ ቃሎም ስለ እተኣዘዝኩ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርን ንዘረባኻን ሐሊፈ እየ እሞ፡ ሓጣእኩ።
25. ሕጂ ድማ በጃኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፡ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከኣ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ።
26. ሳሙኤል ንሳኦል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዐቕካ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኣይምለስን እየ፡ በሎ።
27. ሳሙኤል ኪኸይድ ገጹ ምስ መለሰ፡ ንሱ ኸኣ ጫፍ ክዳኑ ኣጽኒዑ ሐዘ እሞ፡ ተቐደ።
28. ሳሙኤል ድማ፡ እግዚኣብሄር ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲደ፡ ካባኻ ንዚሐይሽ ብጻይካ ሀቦ።
29. እቲ ጽንዓት እስራኤልሲ ኸይጥዐስ ሰብ ኣይኰነን እሞ፡ ኣይሕሱን ኣይጥዐስን ከኣ፡ በሎ።
30. ንሱ ድማ፡ ሓጣእኩ፡ ሕጂ በጃኻ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሰግድሲ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ።
31. ሽዑ ሳሙኤል ደድሕሪ ሳኦል ተመልሰ፡ ሳኦል ከኣ ንእግዚኣብሄር ሰገደሉ።
32. ሳሙኤል ድማ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣጋግ ከኣ ተሐጒሱ ናብኡ መጸ። ኣጋግ ድማ፡ ምሪ ሞትሲ ርግጽ ሐሊፉ እዩ፡ በለ።
33. ሳሙኤል ከኣ፡ ሴፍካ ነንስቲ ውሉድ ዜብለን ከም ዝገበረተን፡ ከምኡ ኸኣ ኣዴኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ውሉድ ዜብላ ትኹን፡ በለ። ሳሙኤል ድማ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ቈራረጾ።
34. ሳሙኤል ከኣ ናብ ራማ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ናብ ሳኦል ደየበ።
35. ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይጒሂ ነበረ እሞ፡ ሳሙኤል ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ መሊሱ ንሳኦል ኪርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተጣዕሰ።

  1Samuel (15/31)