1Samuel (14/31)  

1. ሓደ መዓልቲ ኸኣ ዀነ፡ ዮናታን ወዲ ሳኦል ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግራኡ፡ ንዓናይ፡ ናብቲ ኣብ ስግር ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር፡ በሎ። ነቦኡ ግና ኣይነገሮን።
2. ሳኦል ከኣ ኣብ ወሰን ጊብዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ሚግሮን ዘላ ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ።
3. ኣሒያ ወዲ ኣሒጡብ፡ ሓው ኢካባድ፡ ወዲ ፊንሃስ ወዲ ኤሊ፡ እቲ ኣብ ሺሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ፡ ኤፎድ ጾይሩ ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ።
4. በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ኪሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ ድማ ነቲ መሳገሪ ብሓደ ሸነኹ ኸኣ ጨላቚ ከውሒ፡ ነቲ መሳገሪ ብኻልኣይ ሸነኹ ኸኣ ጨላቚ ኸውሒ ነበረ፡ ስም ኣቲ ሓደ ቦጼጵ፡ ስም ቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔህ ነበረ።
5. እቲ ሓደ ጨላቚ ብወገን ሰሜን ኣብ መንጽር ሚኽማሽ፡ እቲ ኻልአይ ከኣ ብወገን ደቡብ ኣብ መንጽር ጌባዕ ቈይሞም ነበሩ።
6. ዮናታን ድማ ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኰነ ወይ ብሒዶት ገይሩ ምድሓን ዚኽልክሎ የልቦን እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ገለ ይገብረልና ይኸውን፡ ንዓናይ፡ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም ንሳገር፡ በሎ።
7. እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ድማ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር፡ ንስኻ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ እኔኹ፡ ከም ድላይ ልብኻ ምሳኻ እየ፡ በሎ።
8. ሽዑ ዮናታን፡ እንሆ፡ ንሕና ናብቶም ሰባት ንሳገር፡ ንርኣዮም ከኣ።
9. ንሳቶም፡ ክሳዕ እንመጸኩም ጽንሑ እንተ በሉና፡ ንሕና ኣብ ዘሎናዮ ንጽናሕ፡ ናባታቶም ኣይንደይብ።
10. ናባና ደይቡ፡ እንተ በሉና ግና፡ እዚ ንኣና ምልክት እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ ንደይቦም፡ በለ።
11. ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተራእይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ እንሆ፡ እብራውያን ካብቲ ተሐቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጒዲ ይወጹ ኣለው፡ በሉ።
12. እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ጋሻ ዛግሬኡን፡ ሓደ ነገር ከነፍልጠኩምሲ ናባና ደይቡ፡ ኢሎም መለሱሎም። ዮናታን ከኣ ነቲ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፡ ደድሕረይ ደይቡ፡ በሎ።
13. ዮናታን ድማ በእዳውን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ሰዐቦ። ኣብ ቅድሚ ዮናታን ከኣ ወደቑ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ዀይኑ ይቐትሎም ነበረ።
14. በቲ ዮናታን ጋሻ ዛግሬኡን ኰይኖም እተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ መዓል ጽምዲ ኣብ እትኣክል ቃድራ ኣስታት ዕስራ ሰብኣይ ቀተሉ።
15. ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ መሮርን ኣብ ብዘሎ ህዝብን ምሽባር ኰነ፡ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ንሳቶም ከኣ ተሸበሩ። ካብ ኣምላኽ ፍርሃት ኰነ፡ እታ ሃገር ድማ ኣይቀጥቀጠት።
16. እቶም ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዔኛታት ሳኦል ከኣ ጠመቱ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ሰራዊት ፋሕ ኢሉ ናብዝን ናብትን ከደ።
17. ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዘለው ህዝቢ፡ ቈጺርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ርኣዩ፡ በሎም። ንሳቶም ምስ ቈጸሩ ኸኣ፡ እንሆ፡ ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ኣይነበሩን።
18. በታ መዓልቲ እቲኣ ታቦት ኣምላኽ ምስ ደቂ እስራኤል ነበረ እሞ፡ ሳኦል ድማ ንኣሕያ፡ ታቦት ኣምላኽ ናብዚ ኣምጽእ፡ በሎ።
19. ኰነ ኸኣ፡ ሳኦል ምስቲ ኻህን ኪዛረብ ከሎ፡ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ታዕታዕ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሳኦል ድማ ነቲ ኻህን፡ ኢድካ ምለስ፡ በሎ።
20. ሳኦልን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ከኣ ተኣኪቦም ክሳዕ ናብቲ ውግእ ኣተው። እንሆ ድማ፡ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዮ ዀነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ዕግርግር ከኣ ዀነ።
21. እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ካብቲ ኻባቢ ምሳታቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ እብራውያን፡ ንሳቶምውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ኪዀኑ ተመልሱ።
22. እቶም ኣብ ከረን ኤፍሬም ተሐቢኦም ዝነበሩ ዂሎም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ሰምዑ፡ ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ናብቲ ውግእ ሰዐቡ።
23. እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ኣድሐኖ። እቲ ውግእ ከኣ ንቤትኣዌን ሐሊፋ ነበረ።
24. በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ሰብ እስራኤል፡ ላህሊሆም ነበሩ፡ ሳኦል ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ክሳዕ ምሸት እንጌራ ዚበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ረገሞም። ኲሉ ህዝቢ ኸኣ እንጌራ ኣይጠዐመን።
25. ኲሉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ዱር መጸ፡ መዓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነበረ።
26. እቲ ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መጸ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ መዓር ይውሕዝ ነበረ፡ እቲ መዓር ይውሕዝ ነበረ፡ እቲ ህዝቢ ግና፡ ነቲ መርገም ስለ ዝፈርሄ፡ ኢዱ ናብ ኣፉ ዘቕረበ የልቦን።
27. ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቲ ህዝቢ ኼምሕሎ ኸሎ ኣይሰምዔን ነበረ እሞ፡ ጭፍ እታ ኣብ ኢዱ ዘላ በትሪ ሰዲዱ ኣብቲ ጐጎ መዓር ጠምዔ፡ ኢዱ ኸኣ ናብ ኣፉ መለሰ፡ ኣዒንቱ ድማ በርሃ።
28. ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣቦኻ፡ ሎሚ እንጌራ ዚበልዕ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ንህዝቢ ኣጽኒዑ ኣምሒሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ደኺሙ ነበረ።
29. ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦኡ ነዛ ሃገር ጐድኣ። ካብዚ መዓር እዚ ሒደት ስለ ዝጠዓምኩ፡ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ፡ በጃኹም ርኣዩ፡
30. እዚ ህዝቢ ሎሚ ኻብዚ ዝረኸቦ ምርኮ ጸላእቱ ኣጸቢቑ እንተ ዚበልዕ ደኣ ኽንደይ ምጸበቐ ነይሩ ሕጂ እቲ ስዕረት ኣብ ፍልስጥኤማውያንዶ ኣይምዐበየን በለ።
31. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ፍልስጥኤማውያን ካብ ሚኽማሽ ክሳዕ ኣያሎን ሰዐርዎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ እምብዛ ደኸመ።
32. እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ምርኮ ጐይዮም ኣባጊዕን ኣሓን ምራኹትን ወሲዶም ኣብ ምድሪ ሐረዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ምስ ደሙ በልዖ።
33. ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ይብድሎ ኣሎ፡ ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ ከዲዕኩም በደልኩም፡ ሕጂ ዓብዪ እምኒ ኣንካራሪኹም ኣምጽኡለይ፡ በለ።
34. ሳኦል ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ፋሕ ኢልኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምጽእ፡ ኣብዚ ኸኣ ሐሪድኩም ብልዑ፡ ምስ ደሙ ብምብላዕኩም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ በልዎም፡ በለ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ብኢዱ ኣምጽኤ፡ ኣብኡ ኸኣ ሐረድዎም።
35. ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቐዳማይ መሰውኢ ንሱ እዩ።
36. ሳኦል ከኣ፡ ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፡ ክሳዕ ዚወግሕ ንዝመቶም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይነትርፈሎም፡ በለ። ንሳቶም ድማ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዂሉ ግበር፡ በሉ። እቲ ኻህን ግና፡ ናብዚ ናብ ኣምላኽ ንቕረብ፡ በለ።
37. ሽዑ ሳኦል፡ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ ኣብ ኢድ እስራኤልዶኸ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻኢሉ ንኣምላኽ ሐተቶ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ኣይመለሰሉን።
38. ሳኦል ከኣ፡ ኣቱም ሓላቑ ህዝቢ ዂልኹም ናብዚ ቕረቡ፡ እዚ ናይ ሎሚ ሓጢኣት ብምንታይ ከም ዝዀነ ድማ ፍለጡን ርኣዩን።
39. እቲ በደል ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ዀነ እተገብረ፡ እቲ ንእስርኤል ዜድሕን እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ርግጽ ኪመውት እዩ፡ በለ። ግናኸ ካብ ኲሉ ህዝቢ ሓደ እኳ ኣይመለሰሉን።
40. ሽዑ ንሱ ንብዘለው እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብሓደ ወገን ኩኑ፡ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ወገን ክንከውን ኢና፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል፡ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ግበር፡ በልዎ።
41. ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ሓቂ ግለጾ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታን ሳኦልን ብዕጭ ተወስዱ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ሓራ ወጹ።
42. ሳኦል ድማ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ወደይ ዮናታንን ዕጭ ኣውድቑ፡ በለ። ዮናታን ከኣ ተወስደ።
43. ሳኦል ድማ ንዮናታን፡ እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታን፡ ምጥዓምሲ ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ሒደት መዓር ጥዒመ ነይረ፡ እኔኹ እሙት፡ ኢሉ ነገሮ።
44. ሳኦል ድማ፡ ዎ ዮናታን፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ በለ።
45. እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል፡ ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ዐይዩ እዩ እሞ፡ እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኺመውት እዩ ያእ የርሕቆ። ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ካብ ጸጒሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን፡ በልዎ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንዮናታን ከይመውት ኣድሐንዎ።
46. ሳኦል ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ተመልሰ። ፍልስጥኤማውያን ናብ ቦታኦም ከዱ።
47. ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሐዘ ድማ፡ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለው ዂሎም ጸላእቱ፡ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ዓሞንን ምስ ኤዶምን ምስ ነገስታት ጾባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግኤ፡ ገጽ ኣብ ዝመለሰሉ ዘበለ ኸኣ ሰዐረ።
48. በርቲዑ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዐሮም፡ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ዘመትቱ ኣድሐኖ።
49. ደቂ ሳኦል ድማ ዮናታንን ይስዊን ማልኪሹዓን ነበሩ። ስም እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸኣ፡ ስም እታ በዂሪ ሜራብ፡ ስም እታ ንእሽቶ ድማ ሚካል እዩ።
50. ስም ሰበይቲ ሳኦል ከኣ ኣሒኖኣም እዩ፡ ንሳ ጓል ኣሒማዓጽ እያ። ስም ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብኔር እዩ፡ ንሱ ወዲ ኔር ሐወቦ ሳኦል ነበረ።
51. ቂስ ኣቦ ሳኦልን ኔርኣቦ ኣብኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም።
52. ብዂሉ ዘበን ሳኦል ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረኣየ፡ ምስኡ ይወስዶ ነበረ።

  1Samuel (14/31)