1Samuel (13/31)  

1. ሳኦል ሓደ ዓመት ነገሰ። ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ምስ ነገሰ ድማ፡
2. ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ሐረየ፡ ክልተ ሽሕ ምስ ሳኦል ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ከረን ቤትጊብዓ ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ።
3. ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ጌባዕ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማዋያን ወቕዖ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ እዚ ሰምዑ። ሳኦል ድማ፡ እብራውያን ይስምዑ፡ ኢሉ ኣብ ብሃገሩ መለኸት ንፍሔ።
4. ብዘለው እስራኤል ከኣ፡ ሳኦል ንጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቒዕዎም፡ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ተፈንፊኑ እዩ፡ ኪብሉ ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል ኪስዕቡ ናብ ጊልጋል ተኣከቡ።
5. ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፡ ሽድሽተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛ፡ ህዝቢ ድማ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ኰይኖም፡ ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ድማ ኣብታ ኣብ ምብርቕ ቤትኣዌን ዘላ ሚኽማሽ ሰፈሩ።
6. እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ጸቢብዎ ነበረ እሞ ከም ዝጸበቦ ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ናብ በዓትታትን ናብ ኣድዋርን ናብ ኣኻውሕን ናብ ግምብታትን ናብ ጐዳጒድን ተሐብኡ።
7. ገሊኦም እብራውያን ከኣ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ጊልዓድን ከዱ። ሳኦል ድማ ገና ኣብ ጊልጋል ነበረ፡ ብዘለው እቶም ህዝቢ ኸኣ እናንቀጥቀጡ ሰዐብዎ።
8. ከምታ ሳሙኤል ዝመደባ ጊዜ ሾብዓተ መዓልቲ ተጸበየ፡ ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ በለ።
9. ሽዑ ሳኦል፡ ዚሐርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕርቡለይ፡ በለ። ዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ሰውኤ።
10. ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈጸመ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል መጸ፡ ሳኦል ከኣ ሰላም ኪብሎ ኢሉ፡ ኪቕበሎ ወጸ።
11. ሳሙኤል ድማ፡ እንታይ ግብሩ ገበርካ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፡ ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልታትት ከም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ሚኽማሽ ከም እተኣከቡ ርኤኹ እሞ፡
12. ስለዚ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይጸሌኹ ኸሎኹ፡ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ሕጂ ኺወርዱ እዮም ኢለ ደፊረ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ፡ በለ።
13. ሳሙኤል ድማ ንሳኦል በሎ፡ ዐሺኻ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዛ ኣይሐሎኻን። እንተ ዘይኰነስ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መጽንዓልካ ነይሩ።
14. ሕጂ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ፡ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ ደልዪስ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ።
15. ሳሙኤል ድማ ካብ ጊልጋል ተንሲኡ ናብ ጊብዓ ናብ ብንያም ደየበ። ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ዘለው ህዝቢ፡ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ቈጸሮም።
16. ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቲ ምሳታቶም ዘሎ ህዝብን ድማ ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ተቐሚጦም ነበሩ፡ ፍልስጥኤማውያን ግና ኣብ ሚኽማሽ ሰፈሩ።
17. ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ዀይኖም ወጹ። እቲ ሓደ ኽፍሊ ብመገዲ ዖፍራ ናብ ምድሪ ሹዓል ኣበለ።
18. እቲ ሓደ ኽፍሊ ኸኣ ብመገዲ ቤትሖሮን ኣበለ፡ እቲ ሓደ ኽፍሊውን ብመገዲ እቲ ኣብ ለሰ ጸቦዒም ዚርኢ ዶብ፡ ብሸነኽ በረኻ ኣበለ።
19. ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ እብራውያን ሴፍ ወይ ኲናት ኣይስርሑ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣብ ብዘሎ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጥ ሓጺን ኣይነበረን።
20. ስለዚ ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ምስ ጐደመ፡ ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ፡ ኲላቶም እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መባሮኡን ማሕጹኡን ኬትብዕ ኢሉ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ።
21. ስለዚ ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ምስ ጐደመ፡ ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ፡ ኲላቶም እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መባሮኡን ማሕጹኡን ኬትብዕ ኢሉ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ።
22. ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ኢድ ኲሉ እቲ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታንን ዝነበረ ህዝቢ ሴፍ ወይ ኲናት ኣይተረኸበን፡ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታን ወዱን ግና ተረኽበ።
23. ሓደ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብታ መሳገሪ ሚኽማሽ ወጸ።

  1Samuel (13/31)