1Samuel (12/31)  

1. ሳሙኤል ድማ ንብዘለው እስራኤል በሎም፡ እንሆ፡ ኲሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓልኩም ሰሚዔ፡ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንገስኩ።
2. ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ቐቅድሜኹም ዚኸይድ ንጉስ እንሆ፡ ኣነ ድማ ኣሪገ ሸየብኩ፡ ደቀይ ከኣ እነው ምሳኻትኩም ኣለው። ኣነ ድማ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም እኸይድ ነበርኩ።
3. እኔኹ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ቕቡኡን ብዛዕባይ መስክሩ፡ ብዕራይ መን ወሰድኩ ወይ ኣድጊ መን ወሰድኩ ወይስ ንመን ዐመጽኩ ንመን ኣጥቃዕኩ ዓይነይ ከዑረሉ ኢለኸ ኻብ ኢድኩ መማለዲ እተቐበልክዎዶ ኣሎ እሞ ኽመልሰልኩም።
4. ንሳቶም ከኣ፡ ኣይዐመጽካናን ኣየጥቃዕካናን ድማ፡ ካብ ኢድ ሰብውን ገለ እኳ ኣይወሰድካን፡ በሉ።
5. ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ኸም ዘይረኸብኩምለይሲ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ምስክር እዩ፡ ቅቡኡውን ምስክር እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ። ምስክር እዩ፡ በሉ።
6. ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝገበሮም ነቦታትኩም ከኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ንሱ እዩ።
7. እምበኣር ሕጂስ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝገበሮ ዂሉ ጻድቕ ግብርታቱ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምሲ፡ ደው በሉ።
8. ያእቆብ ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ኣቦታትኩም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኮም፡ ንሳቶም ከኣ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኣውጽእዎም፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም።
9. ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረስዕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢድ ሲሰራ፡ ሓለቓ ሰራዊት ሓጾርን። ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም።
10. ሽዑ፡ እግዚኣብሄር ሐዲግናስ ንበዓሊምን ንኣስታርቴታትን ብምግልጋል በዲልና ኢና እሞ፡ ሕጂ ግና ካብ ኢድ ጸላእትና ኣስሕነና፡ ንሕና ድማ ከነገልግለካ ኢና፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ።
11. እግዚኣብሄር ከኣ ንየሩብበዓልን በዳንን ይፍታሕን ሳሙኤልን ልኢኹ፡ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ዘለው ጸላእትኹም ኣድሐነኩም፡ ሀዲእኩም ድማ ተቐመጥኩም።
12. ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ከም ዚመጸኩም ምስ ርኤኹም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም ክነሱስ፡ ኣይፋል፡ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ፡ በልኩምኒ።
13. ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሐሬኹምዎን ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ሂቡኩም፡ እንሆ።
14. ንእግዚኣብሄር እንተ ትፈርህዎን እንተ ተገልግልዎን ቃሉውን እንተ ትሰምዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ዘይኣቤኹምዎ፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ ድማ፡ ደሓን።
15. ግናኸ ንቓል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ኣቤኹምዎ፡ ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ከምቲ ነቦታትኩም እተጻረረት፡ ንኣኻትኩም ድማ ክትጻረረኩም እያ።
16. ሕጂ ኸኣ ደው ኢልኩም ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዚገበሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ።
17. ሎምስ ጊዜ ዓጺድ ስርናይዶ ኣይኰነን፡ እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትርእዩንሲ፡ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነጒድን ዝናምን ኪሰድድ እዩ።
18. ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፡ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጒድን ዝናምን ሰደደ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርሁ።
19. ብዘለው እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ሓጢኣትናስ፡ ንጉስ ብምልማንና እዚ ኽፋእ እዚ ድማ ወሲኽና ኢና እሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ስለ ገላውኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና፡ በልዎ።
20. ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ኣይትፍርሁ፡ ምግባርሲ እዚ ዂሉ ኽፋእ እዚ ንስኻትኩም ጌርኩምዎ ኢኹም፡ ግናኸ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣይትዝበሉ፡ ብምሉእ ልብኹም ደኣ ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ።
21. ነቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን፡ ከንቱ ስለ ዝዀኑ ምስዓቦም ክንቱ እዩ እሞ፡ ኣይተግልሱ።
22. እግዚኣብሄር ህዝቡ ኺገብረኩም ፈትዩ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሐድጎን እዩ።
23. ኣነስ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ እና ደኣ ኽምህረኩም እየ እምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሐቕ።
24. እቲ ንኣኻትኩም ዝገብሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ፍርሁ፡ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከኣ ኣገልግልዎ።
25. ቀጺልኩም ክፋእ እንተ ገበርኩም ግና፡ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።

  1Samuel (12/31)