1Samuel (11/31)  

1. ናሓሽ ዓሞናዊ ድማ ደዪቡ ንያቤስጊልዓድ ከበባ። ኲሎም ሰብ ያቤስ ከኣ ንናሓሽ፡ ክንግዝኣካስ ኪዳን እተወልና፡ በልዎ።
2. ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ኸኣ፡ የማነይቲ ዓይኑ ዂልኹም ብምንቋር፡ በዚ ኸኣ ኣብ ብዘሎ እስራኤል ነውሪ ኽገብር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፡ በሎም።
3. እቶም ዓበይቲ ያቤስ ከኣ፡ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣቋጽረና፡ ዜድሕነና ዜልቦ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ሽዑ ናባኻ ንወጽእ፡ በልዎ።
4. እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ሳኦል ጊብዓ መጹ፡ እዚ ቓላት እዚ ድማ ኣብ ኣእዛን እቲ ህዝቢ ተዛረቡ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ።
5. እንሆ ድማ፡ ሳኦል ደድሕሪ ኣብዑር ካብ መሮር ይኣቱ ነበረ። ሳኦል ከኣ፡ እዚ ህዝቢ ዚበኪ ዘሎ እንታይ ኰይኑ እዩ በለ። ንሳቶም ድማ እቲ ዘረባ ሰብ ያቤስ ነገርዎ።
6. ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ፡ መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ፡ ኲራኡ ኸኣ ኣዝዩ ነደደ።
7. ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራሪጹ፡ እቲ ወጺኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይሰዐብ፡ ኣብዑሩ ኸምዚ ኺግበሩ እዮም፡ ኢሉ ብኢዱ ልኡኻት ገይሩ ናብ ብዘሎ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ። ሽዑ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ፡ ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም ከኣ ወጹ።
8. ኣብ ቤዜቅ ከኣ ቈጸሮም እሞ ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፡ ይሁዳ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኰነ።
9. ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ በልዎም፡ ንሰብ ያቤስጊልዓድ፡ ጽባሕ በርቂ ጸሓይ ምድሓን ክትረኽቡ ኢኹም፡ ኢልኩም በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ መጺኦም ንሰብ ያቤስ ነገርዎም፡ ንሳቶም ከኣ ተሐጐሱ።
10. እቶም ሰብ ያቤስ ከኣ። ጽባሕ ክንወጸልኩም ኢና፡ ሽዑ ኸምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩና፡ በሉ።
11. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒሩ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ብጊዜ ሓለዋ ወጋሕታ ኸኣ ናብቲ ሰፈር ኣትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዚድህር ንዓሞናውያን ቀተልዎም። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካባታቶም ዝተረፉ ኽልተ እኳ ብሓደ ዀይኖም ከይተረፉ ፋሕ በሉ።
12. ሽዑ እቲ ህዝቢ ንሳሙኤል፡ እቲ ሳኦል ዶ ኣብ ልዕሌና ኺነግስ እዩ ዝበለ መን እዩ ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምጽእዎም፡ በለ።
13. ሳኦል ግና፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብ ኣይመውትን፡ በለ።
14. ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ፡ ንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡ ኣብኡ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ንሐድሶ፡ በሎ።
15. ብዘለው እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጊልጋል ከዱ፡ ኣብኣ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ኣንገስዎ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኡ ኸኣ ሳኦልን ኲሎም ሰባት እስራኤልን ብዙሕ ተሐጐሱ።

  1Samuel (11/31)