1Samuel (10/31)  

1. ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ናብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሰሰሉ እሞ ሰዐሞ በሎውን፡ እግዚኣብሄር ዝቐብኣካስ ኣብ ርስቱ ሹም ክትከውን ዶ ኣይኰነን
2. ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፡ ኣብ ዶብ ብንያም ኣብ ጸልጻሕ ክልተ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እተን ኣእዱግ ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካስ ተረኺበን። እንሆ ድማ፡ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሐዲጉ፡ ናይዚ ወደይሲ እንታይ ክገብር እየ እናበለ፡ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ፡ ኪብሊኻ እዮም።
3. ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ድዋ ታቦር ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ኣብኡ ናብ ኣምላኽ ናብ ቤትኤል ዚድይቡ ሰለስተ ሰብ፡ እቲ ሓደ ሰለስተ ወጠጦ ጾይሩ፡ ሓደ ድማ ሰለስተ እንጌራ ጾይሩ፡ ሓደ ኸኣ ሓርቢ ወይኒ ጾይሩ ኺረኽቡኻ እዮም።
4. ከመይ ኪልካ ኣሎኻድማ ይብሉኻ፡ ክልተ እንጌራ ኸኣ ኪህቡኻ እዮም እሞ፡ ካብ ኢዶም ክትቅበሎ ኢኻ።
5. ድሕርዚ ናብቲ ዘብዔኛታት ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዂርባ ኣምላኽ ክትመጽእ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ ኸሎኻ፡ ኣብኣ እኩባት ነብያት ቀቅድሚኦም ድማ በገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ገይሮም፡ ካብሪ በሪኽ ኪወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።
6. መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሌኻ ኺወርድ እዩ፡ ምሳታቶም ከኣ ክትንበ ኢኻ፡ ካልእ ሰብ ክትከውን ድማ ክትልወጥ ኢኻ።
7. ይኸውን ከኣ፡ እዚ ምልክታት እዚ ምስ መጸካ፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ እቲ ዚምሽኣካ ግበር።
8. ቅድመይ ናብ ጊልጋል ክትወርድ ኢኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ዚሐርር መስዋእቲ ኸዕርግ፡ መስዋእቲ ምስጋና ድም ክስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መጺኤ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኽትጸንሕ ኢኻ።
9. ኰነ ድማ፡ ካብ ሳሙኤል ኪኸይድ ዝባኑ ምስ መለስ፡ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እዚ ምልክታት እዚ ዂሉ መጾ።
10. ናብታ ዂርባ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ እኩባት ነብያት ተቐባበልዎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ተነበየ።
11. ኰነ ድማ፡ እቶም ቀደም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ዂሎም፡ እንሆ፡ ምስ ነብያት ኰይኑ ኺንበ ምስ ረኣይዎ፡ እቲ ህዝቢ ንሓድሕዱ፡ እዚ ኣብ ወዲ ቂስ ኰይኑ ዘሎ እንታይ እዩ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ በለ።
12. ኣብቲ ስፍራ እቲ ዚነብር ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ኣቦኦምስ መን እዩኢሉ መለሰ። ስለዚ እዩ እቲ ምስላ ዝዀነ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ
13. ምንባይ ምስ ወድኤ ድማ፡ ናብቲ በሪኽ መጸ።
14. ሓወቦ ሳኦል ከኣ ንእኡን ነቲ ግዙኡን፡ ናበይ ኬድኩም ኔርኩም ኢኹም በሎም። ንሱ ድማ፡ ኣእዱግ ክንደሊ፡ ከም ዘየለዋ ምስ ርኤና ግና፡ ናብ ሳሙኤል መጻእና፡ በለ።
15. ሓወቦ ሳኦል ድማ፡ እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በጃኻ ንገረኒ፡ በለ።
16. ሳኦል ድማ ንሓወቦኡ፡ ኣእዱግ ከም እተረኽባ ኣርጊጹ ነገረና፡ በሎ። እቲ ሳሙኤል ብናይ መንግስቲ ነገር ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።
17. ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ጸውዖ።
18. ንደቂ እስራኤል ከኣ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንእስራኣኢአል ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኲሎም ዜጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሐንኩኹም፡ ይብል ኣሎ።
19. ሎሚ ግና ንስኻትኩም ነቲ ኻብ ኲሉ መከራን ጸበባን ዜድሕነኩም ኣምላኽ ነዐቕኩምዎ፡ ንእኡ ኸኣ፡ ኣይፈልካ፡ ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና፡ በልኩምዎ። እምበኣርሲ ሕጂ በብነገድኩምን በብሽሕኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ፡ በሎም።
20. ሳሙኤል ከኣ ንዂሎም ነገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ነገድ ብንያም በጽሔ።
21. ንነገድ ብንያም ከኣ በብዓሌቱ ኣቕረቦ፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ዓሌት ማትሪ በጽሔ፡ ኣብ ሳኦል ወዲ ቂስውን በጽሔ። እንተ ደለይዎ ግና፡ ኣይተረኽበን።
22. መሊሶም ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ ናብዚዶ መጺኡ ኣሎ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ሐተትዎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መንጎ ኣቓሑ ተሐቢኡ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ።
23. ጐይዮም ከኣ ካብኡ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኻብ መንኲቡ ንላዕሊ ነውሖ።
24. ሳሙኤል ድማ ንዂሎም እቶም ህዝቢ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ፡ ኣብ ኲሉ ህብዚ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዜልቦ ርኢኹምዶ በሎም። ብዘለው እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ እናበሉ እልል በሉ።
25. ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ሕጋጋት መንግስቲ ነገሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ።
26. ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ኸደ፡ ኣምላኽ ልቦም ዘንቅሔ ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኸዱ።
27. እቶም ደቂ ብልያል ግና፡ እዚ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኼድሕነና እዩ፡ ኢሎም ነዐቕዎ እሞ፡ ገጽ በረኸት ኣይሀብዎን። ንሱ ግና ከም ዘይሰምዔ ዀነ።

  1Samuel (10/31)