1Samuel (1/31)  

1. ኣብ ራማታይምጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬም፡ ኤልቃና ዝሰመ ኤፍራታዊ ሰብኣይ፡ ወዲ የሩሓም፡ ወዲ ኤሉሁ፡ ውዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ።
2. ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ። ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበሩዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን።
3. እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ኣብ ሺሎ ኺሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪስውእን ኢሉ በብዓመቱ ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን፡ ካህናት እግዚኣብሄር ነበሩ።
4. እታ ኤልቃና ዚስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንዂሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሀቦም።
5. ንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዐጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሃባ።
6. እግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዐጸወ ግና፡ እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት።
7. ንሱ ዓመት ንዓመት ከምኡ ምስ ዚገብር፡ በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ጊዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ በኸየት፡ ኣይበልዔን ድማ።
8. ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያ፡ ሃና፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጒህዩ አሎ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕክን በላ።
9. ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንሲኤት። ካህን ኤሊ ኸኣ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡
10. ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡
11. ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ፡ ኣነ ድማ ኲሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን፡ ኢላ መብጽዓ ተማባጽዔት።
12. ኰነ ኸኣ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሔት፡ ኤሊ ኣፉ ይጥምት ነበር።
13. ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበት፡ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዔን፡ ስለዚ ኤሊ ኸኣ፡ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሐሰበ።
14. ኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪ ወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮ፡ በላ።
15. ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኤ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዜስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን፡ ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ።
16. እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርኣየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ።
17. ሽዑ ኤሉ፡ ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ፡ ኢሉ መለሰ።
18. ንሳ ኸኣ፡ ባርያኻስ ኣብ ቅድሜኻኸ ሞገስ እርከብ፡ በለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዔትውን፡ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጒህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።
19. ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፡ ተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተው። ኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣ፡ እግዚኣብሄርውን ዘከራ።
20. ኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሐለፋ፡ ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ።
21. እቲ ሰብኣይ ኤልቅና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደየበ።
22. ሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤ፡ ከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እየ፡ በለቶ።
23. ኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽሞ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት።
24. ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ።
25. ነቲ ዝራብዕ ሐሪዶም ድማ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ።
26. ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍሰኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበርት ሰበይቲ ኣነ እየ።
27. ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ።
28. ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።

      1Samuel (1/31)