1Peter (5/5)    

1. እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ኪግለጽ ዘለዎ ኽብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም ኣሎኹ፡
2. ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡
3. ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኸኑ።
4. እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።
5. ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዚዐበዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓዐቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኲላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ፡ ትሕትና ተዐጠቑ።
6. ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ።
7. ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንኲሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
8. ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
9. እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።
10. እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸውዓኩም፡ ኬበርትዓኩም ኪስርተኩምውን እዩ።
11. ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
12. ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዚመስለኒ እሙን ሓውና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ።
13. እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
14. ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተበሃሀሉ። ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኲላትኩም ሰላም ይሀሉኹም። ኣሜን።

  1Peter (5/5)