1Peter (4/5)  

1. ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።
2. ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ኻብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሐዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።
3. እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ መስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ።
4. ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ።
5. ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም።
6. ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ዀይኖም ኪፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኰይኖም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ።
7. ግናኸ መወዳእታ ዂሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ።
8. ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ ቅድሚ ዂሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም።
9. ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ።
10. ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ።
11. ዚነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዜገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሀቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለም ኣለም ይኹኖ። ኣሜን።
12. ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዚረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ።
13. ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሐጐሱ ደኣ።
14. ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሐድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም።
15. ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ።
16. ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር።
17. እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧
18. እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧
19. ስለዚውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ።

  1Peter (4/5)