1Kings (9/22)  

1. ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን እቲ ሰሎሞን ኪሰርሖ ብሂጉ እተመነዮን ኲሉ ምስ ፈጸሞ፡
2. እግዚኣብሄር ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተገልጸሉ፡ ካልኣይ ጊዜ ተገልጸሉ።
3. እግዚኣብሄር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር ቀዲሰያ ኣሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን።
4. ንስኻ ድማ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ዂሉ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን እተመላለሰ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡
5. ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚሕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እየ፡ ዝበልክዎ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ።
6. ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ ፈጺምኩም እንተ ተመለስኩም፡ ነቲ ዝሀብኩኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ከኣ እንተ ዘይሐሎኹም፡ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፡
7. ሽዑ ኣነ ንእስራኤል ካብዛ ዝሀብክዎም ምድሪ ኸጽንቶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ እስራኤልውን ኣብ ኲሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ።
8. እዛ ቤት እዚኣ ድማ፡ ኣዝያ እኳ ልዕል እንተ በለት፡ ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ፡ ብእኣ ተገሪሙ ይፋጺ፡ ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣንሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረን፡ ስለምንታይ ኮን እዩ∶: ድማ ኪብሉ እዮም።
9. ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ስለ ዝሐዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ኽፉእ ኣምጽኣሎም፡ ኢሎም ድማ ኪመልሱ እዮም።
10. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፡ ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጒስን፡ ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት፡
11. ሒራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ብኦም ቄድሮስን ብኦም ጽሕድን ብወርቅን ከም ዝደለዮ ዂሉ ምስ ሐገዞ፡ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሀቦ።
12. ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሀቦ ኸተማታት ኪርእየን፡ ካብ ጢሮስ ወጸ፡ ግናኸ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣይበላኦን።
13. ሓወየ፡ እዘን ዝሀብካንስ እንታይ ከተማኤን እየን፡ ድማ በለ። ከምቲ ኽሻዕ ሎሚ ዚስመያኦ ዘለዋ ኸኣ፡ ምድሪ ካቡል ኢሉ ሰመየን።
14. ሒራም ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለትን ወርቂ ሰደደሉ።
15. ብዛዕባ እቶም ንጉስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ሚሎን መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን ሜጊዶን ጌዘርን ኪሰርሑ ዘውጽኦም ኣብቲ ተግባሩ ዚግብሩ ኸምዚ እዩ።
16. ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሐዛ፡። ብሓዊ ተኲሱ፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ቀቲሉ፡ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን፡ ገዝማ ሀባ።
17. ሰሎሞን ከኣ ንጌዘርን ንታሕታይ ቤትሖሮንን ሰርሔን።
18. ድማ ንበዓላትን ነታ ኣብ በረኻ እታ ሃገር ዘላ ታማርውን፡
19. ንዂለን ናይ ሰሎሞን ዝነበራ ኸተማታት መዛግብትን ከተማታት ሰረገላን ከተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ከም ባህጉ ገይሩ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ሃገር ግዝኣቱን ኪሰርሖ ዝደለየ ሰርሔ።
20. ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፌሬዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኰ ዂሎም ህዝቢ፡
21. ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ደቂ እስራኤል ኬጽንትዎም ዘይከኣሉ፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዚግብሩ ባሮት ገበሮም።
22. ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፡ ተዋጋእትን ገላዉኡን ሹማምንቱን ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኪዀኑ እምበር፡ ባሮት ኣይገበረን።
23. እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ሓላቑ ዋናታት ነቶም ኣብ ዕዮ ዚዐዩ ህዝቢ ዚእዝዙ ሓሙሽተ ሚእቲን ሓምሳን እዮም።
24. ጓል ፈርኦን ግና ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሓላ ቤት ደየበት፡ ሽዑ ንሚሎ ሰርሓ።
25. ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ መሰውኢ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ የዕርግ ነበረ፡ ምስኡ ኸኣ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዐጠነ። ነታ ቤት ድማ ፈጸማ።
26. ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮንጋበር መራኽብ ሰርሔ።
27. ሒራም ድማ በተን መረኽብ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ባሕሪ ዚፈልጡ ባሕረኛታት ገላዉኡ ሰደደ።
28. ናብ ኦፊር መጺኦም ከኣ ካብኣ ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቂ ወሰዱ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምጽእዎ።

  1Kings (9/22)