| ← 1Kings (9/22) → | 
| 1. | ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን እቲ ሰሎሞን ኪሰርሖ ብሂጉ እተመነዮን ኲሉ ምስ ፈጸሞ፡ | 
| 2. | እግዚኣብሄር ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተገልጸሉ፡ ካልኣይ ጊዜ ተገልጸሉ። | 
| 3. | እግዚኣብሄር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር ቀዲሰያ ኣሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን። | 
| 4. | ንስኻ ድማ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ዂሉ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን እተመላለሰ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡ | 
| 5. | ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚሕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እየ፡ ዝበልክዎ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ። | 
| 6. | ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ ፈጺምኩም እንተ ተመለስኩም፡ ነቲ ዝሀብኩኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ከኣ እንተ ዘይሐሎኹም፡ ኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፡ | 
| 7. | ሽዑ ኣነ ንእስራኤል ካብዛ ዝሀብክዎም ምድሪ ኸጽንቶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ እስራኤልውን ኣብ ኲሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ። | 
| 8. | እዛ ቤት እዚኣ ድማ፡ ኣዝያ እኳ ልዕል እንተ በለት፡ ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ፡ ብእኣ ተገሪሙ ይፋጺ፡ ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣንሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረን፡ ስለምንታይ ኮን እዩ∶: ድማ ኪብሉ እዮም። | 
| 9. | ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ስለ ዝሐዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ኽፉእ ኣምጽኣሎም፡ ኢሎም ድማ ኪመልሱ እዮም። | 
| 10. | ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፡ ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጒስን፡ ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት፡ | 
| 11. | ሒራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ብኦም ቄድሮስን ብኦም ጽሕድን ብወርቅን ከም ዝደለዮ ዂሉ ምስ ሐገዞ፡ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሀቦ። | 
| 12. | ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሀቦ ኸተማታት ኪርእየን፡ ካብ ጢሮስ ወጸ፡ ግናኸ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣይበላኦን። | 
| 13. | ሓወየ፡ እዘን ዝሀብካንስ እንታይ ከተማኤን እየን፡ ድማ በለ። ከምቲ ኽሻዕ ሎሚ ዚስመያኦ ዘለዋ ኸኣ፡ ምድሪ ካቡል ኢሉ ሰመየን። | 
| 14. | ሒራም ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለትን ወርቂ ሰደደሉ። | 
| 15. | ብዛዕባ እቶም ንጉስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ሚሎን መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን ሜጊዶን ጌዘርን ኪሰርሑ ዘውጽኦም ኣብቲ ተግባሩ ዚግብሩ ኸምዚ እዩ። | 
| 16. | ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሐዛ፡። ብሓዊ ተኲሱ፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ቀቲሉ፡ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን፡ ገዝማ ሀባ። | 
| 17. | ሰሎሞን ከኣ ንጌዘርን ንታሕታይ ቤትሖሮንን ሰርሔን። | 
| 18. | ድማ ንበዓላትን ነታ ኣብ በረኻ እታ ሃገር ዘላ ታማርውን፡ | 
| 19. | ንዂለን ናይ ሰሎሞን ዝነበራ ኸተማታት መዛግብትን ከተማታት ሰረገላን ከተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ከም ባህጉ ገይሩ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ሃገር ግዝኣቱን ኪሰርሖ ዝደለየ ሰርሔ። | 
| 20. | ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፌሬዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኰ ዂሎም ህዝቢ፡ | 
| 21. | ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ደቂ እስራኤል ኬጽንትዎም ዘይከኣሉ፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዚግብሩ ባሮት ገበሮም። | 
| 22. | ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፡ ተዋጋእትን ገላዉኡን ሹማምንቱን ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኪዀኑ እምበር፡ ባሮት ኣይገበረን። | 
| 23. | እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ሓላቑ ዋናታት ነቶም ኣብ ዕዮ ዚዐዩ ህዝቢ ዚእዝዙ ሓሙሽተ ሚእቲን ሓምሳን እዮም። | 
| 24. | ጓል ፈርኦን ግና ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሓላ ቤት ደየበት፡ ሽዑ ንሚሎ ሰርሓ። | 
| 25. | ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ መሰውኢ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ የዕርግ ነበረ፡ ምስኡ ኸኣ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዐጠነ። ነታ ቤት ድማ ፈጸማ። | 
| 26. | ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮንጋበር መራኽብ ሰርሔ። | 
| 27. | ሒራም ድማ በተን መረኽብ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ባሕሪ ዚፈልጡ ባሕረኛታት ገላዉኡ ሰደደ። | 
| 28. | ናብ ኦፊር መጺኦም ከኣ ካብኣ ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቂ ወሰዱ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምጽእዎ። | 
| ← 1Kings (9/22) → |