1Kings (8/22)  

1. ሰሎሞን ከኣ ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳት፡ ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ጽዮን፡ ኬደይብዎ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ናብ የሩሳሌም አከቦም።
2. ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ወርሒ ኤታኒም፡ ንሳ ኸኣ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተአከቡ።
3. ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ነቲ ታቦት ኣልዐልዎ።
4. ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣደየብዎ።
5. ንጉስ ሰሎሞንን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተአኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤልን ምስኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሔን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቊጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ።
6. እቶም ካህናት ድማ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ።
7. እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ታቦትን ነቲ መሰላታቱን እቶም ኪሩቤል ከደንዎ።
8. ጫፍ እቲ መሰላታት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኣብ መቕደስ ኴንካ ኽሳዕ ዚርኤ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ።
9. ኣብቲ ታቦት ብጀካ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት እምኒ ገለ ኻልእ ኣይነበረን፡ እዚ ኸኣ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝአተወሉ ግዜ ዀነ።
10. ኰነ ድማ፡ እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ።
11. ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ኬገልግሉ ኣይከአሉን።
12. ሽዑ ሰሎሞን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ኸም ዚነብር፡ ኢሉ ኣሎ።
13. ንስኻ እትቕመጦ ቤት፡ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግጽ ሰሪሔልካ ኣሎኹ፡ በለ።
14. እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ።
15. በለ ድማ፡ ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትሰርሓላ ኸተማ ኣይሐሬኹን። ግናኸ ንዳዊት ደኣ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን ሓሬኽዎ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት እተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ዝፈጸሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
16. በለ ድማ፡ ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዚነብረሉ ቤት እትሰርሓላ ኸተማ ኣይሐሬኹን። ግናኸ ንዳዊት ደኣ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ኪኸውን ሓሬኽዎ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት እተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ዝፈጸሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ።
17. ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ኪሰርሓሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ።
18. እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ፡ እዚ ብልብኻ ስለ ዝሐሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ።
19. ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዚወጽእ ወድኻ ደኣ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይትሰርሖን ኢኻ።
20. እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲኤ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሐ ኣሎኹ።
21. ኣብኡ ድማ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ ምስ ኣቦታትና ዝአተዎ ኺዳን እግዚኣብሄር ንዘለዎ ታቦት ስፍራ ኣዳሎኹ።
22. ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።
23. በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኺዳንን ምሕረትን እትሕሉ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪውን ኣብ ታሕቲ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን።
24. እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሐሎኻ፡ እወ፡ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ።
25. ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ ንምኻድ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ንምኻድ መገዶም ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሐሉ።
26. ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ፡ እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን።
27. ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ኪሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንእስ።
28. ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ዚጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህልላኡን ለስ።
29. ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበ ልካያ ቦታ፡ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚጽልዮ ጸሎትውን ስማዕ።
30. ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዚምህለልዎ ጸሎት ከኣ ስምዓዮ፡ እወ፡ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ፡ ኣብ ሰማይ ስምዓዮ፡ ሰሚዕካውን ይቕረ በል።
31. ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ፡ ማሕላ ምሐል ድማ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኺምሕል እንተ መጸ፡
32. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትመልሶ፡ ኰንኖ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም።
33. ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ምስ ተሳዕሩ ድማ፡ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤት እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ጸለዩን እንተ ተማህለሉን፡
34. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።
35. ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ ምስ ተዐጽወ፡ ዝናም ከኣ እንተ ዘይዘነመ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ጸለዩ፡ ንስምካውን እንተ ኣኽበሩ፡ ስለ ዘዋረድካዮም፡ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመልሱ፡
36. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ እታ ዚኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እተርእዮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነታ ንዝህብኻ ንርስቲ ዝሀብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሀባ።
37. ኣብ ሃገር ጥሜት እንተ ዀነ፡ ፌራ እንተ ዀነ፡ ዋግ ወይ ሃጒ፡ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ ኰነ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝዀነ ሕማም እንተ መጸ፡
38. ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤል ነፍሲ ወከ ቊስሊ ልቡ እተፈለጦ፡ ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ፡
39. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ፡ ንልቢ ዂሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ።
40. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ፡ ንልቢ ዂሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ።
41. ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ ንሱ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡
42. ብዛዕባ እዚ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኪሰምዑ እዮም እሞ፡ መጺኡ ኣብዛ ቤት እዚኣ እንተ ጸለየ፡
43. ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስርእኤል ገይሮም ኪፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤት ከኣ ብስምካ ኸም እተሰምየት ኪፈልጡስ፡ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ ትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ።
44. ህዝብኻ በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ኪዋግኡ ምስ ዚወጹ፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን፡ ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሄር እንተ ጸለዩ፡
45. ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም።
46. እንተ በደሉኻ፡ ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡ ኰሪኻ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሀብካዮም እሞ፡ ናብ ርሑቕ ኰነ ወይ ናብ ቅሩብ ናብ ሃገር ጸላኢ ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡
47. ኣብታ ተማሪኾምላ ዘለዉ ሃገር ኰይኖም ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማሕለሉ፡
48. ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ጸላእቶም ከለዉ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ገጾም ከኣ ናብዛ ነቦታቶም ዝሀብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሐሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡
49. ሽዑ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብራ ቦታ ዄንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም።
50. ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ዝኣበሱኻ ዂሉ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ምእንቲ ንሳቶም ምሕረት ኪገብሩሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ሀቦም።
51. ንሳቶምሲ ኻብ ግብጺ፡ ካብቲ እቶን ሓጺን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ፡
52. ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከሎኻ ብባርያኻ ሙሴ እተዛረብካዮ፡ ካብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ፡ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዖዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዕዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኣዒንትኻ ናብ ምህልላ ባርያኻን ናብ ምህልላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ።
53. ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከሎኻ ብባርያኻ ሙሴ እተዛረብካዮ፡ ካብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ኪዀኑ፡ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዖዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዕዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኣዒንትኻ ናብ ምህልላ ባርያኻን ናብ ምህልላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ።
54. ኮነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዩ ኹሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርክኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰዉኢ እግዚኣብሄር ተንሰኤ።
55. ደው ኢሉ ኸኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዚ ኢሉ መረቖ፡
56. እቲ ንህዝቡ እስራኤል ከምቲ እተዛረቦ ዂሉ ገይሩ ዕረፍቲ ዝሀቦም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ካብቲ ብሙሴ ባርያኡ እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ኲሉ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን።
57. እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፡ ምሳና ይኹን፡ ኣይሐደገናን ኣይግደፈናን።
58. እቲ ነቦታትና ዝአዘዞም ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክንሕሉ፡ ብዂሉ መገድታቱን ኽንከይድ፡ ንልብና ናብኡ የብሎ።
59. እቲ ፍርዲ ንባርያኡን እቲ ንህዝቡ እስራኤል ነንዕለቱ ዜድሊ ፍርድን ምእንቲ ኼውጽእ፡ ኲሎም ህዝብታት ምድርስ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ካልእ ከም ዜልቦ ኸኣ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለልክዎ ቓላተይ ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን።
60. እቲ ፍርዲ ንባርያኡን እቲ ንህዝቡ እስራኤል ነንዕለቱ ዜድሊ ፍርድን ምእንቲ ኼውጽእ፡ ኲሎም ህዝብታት ምድርስ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ካልእ ከም ዜልቦ ኸኣ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለልክዎ ቓላተይ ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን።
61. ከምዚ ናይ ብሕጋጋቱ ኽትከዱ፡ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉ፡ ልብኹም ፈጺሙ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን።
62. እቲ ንጉስ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።
63. እቲ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰውኦ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ከኣ በጊዕ ሰውኤ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ንጉስን ኲሎም እስራኤልን ኰይኖም ከምዚ ገይሮም ቀደስዋ።
64. እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ስብሕታትን መስዋእቲ ምስጋናን ምእካል ስለ ዝሰአኖ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚእእሾሕቕላሦ ዥቅማዕ እእከላይ ኣጻድ ቀደሶ እሞ፡ ነቲ ዚሐርር ንመስዋእቲ ብልዕን ንዝብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ይስውኦ ነበረ።
65. በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እትአቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ማሕበር ኰይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ መዓልትን፡ ማለት ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በዓል ኣብዐሉ።
66. በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፡ ንሳቶም ከኣ ንንጉስ መረቕዎ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኲሉ ጽቡሕ ነገር ባህ ኢልዎም፡ ብሕጉስ ልቢ ነናብ ድንኳኖም ከዱ።

  1Kings (8/22)