1Kings (7/22)  

1. ሰሎሞን ድማ ንቤቱ ብዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ሰርሓ፡ ንብዘላ ቤቱ ኸኣ ፈጸማ።
2. ቤት ዱር ሊባኖስ ድማ ሰርሔ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፡ ምግፍሓ ኸኣ ሓምሳ እመት፡ ቊመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕኑድ ቄድሮስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕኑድ ድማ ጽሩብ ኣግማል ቄድሮስ ገይሩ ሰርሓ።
3. እቲ ናሕሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓንዲ ዝነበረ ኣግማል ብቄድሮስ እተሰርሔ ናሕሲ ነበረ፡ እቲ ኣዕኑድ ከኣ ኣብ መስርዕ ዓሰርተው ሓሙሽተ ነበረ።
4. ሰለስተ መስርዕ ዓይነ ርግቢ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ።
5. ኲሉ ደጌታትን ልዳውትን ድማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ።
6. ገበላ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ፡ ሰላሳ እመት ዝምግፋሑ በዕኑድ ገይሩ ሰርሔ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ኸኣ ኣዕኑድን መሳልልን ነበረ።
7. ድማ መጋባእያ ዚወጸሉ ገበላ ዝፋን፡ ንሱ ገበላ ፍርዲ፡ ሰርሔ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ።
8. እታ ዚቕመጠላ ቤቱ ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መካበብያ ኣብ ውሽጢ እቲ ገበላ ዝነበረት ከምኡ ዀይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርኦን ከኣ ከምዚ ገበላ እዚ ዝበለት ቤት ሰርሓላ።
9. እዚ ዂሉ ድማ ካብኡ ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕላይ ወሰ፡ ብወጻኢ ኸኣ ክሳዕ እቲ ዓብዪ መካበብያ፡ በቲ ብልክዕ እተቘርጸ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ብመጋዝ እተመገዘ ኽቡር ኣእማን ተሰርሔ።
10. እቲ መሰረት ድማ ብኽቡር ኣእማን፡ ብዓበይቲ ኣእማን፡ ብዓሰርተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ሾሞንተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ተሰረተ።
11. ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብልክዕ እተቐርጸ ኽቡር ኣእማንን ኦም ቄድሮስን ነበረ።
12. ነቲ ዓብዪ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም ገበላ እቲ ቤትን፡ ሰለስተ መስርዕ እተጸርበ ሉሕ ቄድሮስን ነበሮ።
13. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ።
14. ንሱ ወዲ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ብዓል ጢሮስ፡ ኣንጠረኛ ኣስራዚ ነበረ። ንሱ ድማ ኲሉ ስራሕ ኣስራዚ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ኸኣ፡ ዕዮኡ ዘበለ ገበረሉ።
15. ንሱ ድማ ነቲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ዝቚመቱ ኽልተ ዓንዲ ኣስራዚ ሰርሔ። ነናይ ሓደ ዓንዲ ዙርያ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ገበረ።
16. ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ኪንበር ድማ ካብ ዝፈሰሰ ኣስራዚ ኽልተ ጒልላት ሰርሔ። ቊመት እቲ ሓደ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ።
17. ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ድማ ከም ስራሕ መንፊት ዝበለ ዓይነ ርግብን ከም ስራሕ ሰንሰለትን ዝበለ ትትዖን ነበሮ፡ ነቲ ሓደ ጒልላት ሾብዓተ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሾብዓተ ነበሮ።
18. ነቲ ኣዕኑድ ምስ ገበረ ድማ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ኪኸድን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላትውን ከምኡ ገበሮ።
19. እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን መሲሉ እተሰርሔ፡ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
20. ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕኑድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይነ ርግቢ ዘሎ ኸብዲ ዝገጠመ ጒልላት ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ኣብ ዙርያኡ በብመስርዕ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ።
21. ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቘሞ። ነቲ የማናይ ዓንዲ ተኺሉ ኸኣ ስሙ ቦዓዝ ኣውጽኣሉ።
22. ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዝበለ ስራሕ ነበረ። በዚ ኸምዚ ዕዮ ነቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ።
23. ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ።
24. ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ከኣ ብዙርያኡ ኣጒማ ኣዞረሉ፡ ብዙርያ እቲ ባሕሪ በብእመት ዓሰርተ ዀይኑ ይኸቦ ነበረ፡ እቲ ኣጒማ ኽልተ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ፈሰሰ።
25. ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንደቡብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።
26. ምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራሕ ጽዋእ፡ ከም ዝዐምበበ ሹሻን ነበረ። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ።
27. ናይ ኣስራዚ ሰረት ከኣ ዓሰርተ ገበረ፡ ሓደ ሰረት ድማ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ቊመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ።
28. ኣሰራርሓ እቲ ሰረታት ድማ ከምዚ ነበረ፡ ክቡሳት ነበሮ፡ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ከኣ ክቡሳት ነበረ።
29. ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ዝነበረ ክቡሳት ድማ ኣናብስን ኣብዑርን ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጋጠሚታት ከኣ ኣብ ላዕላዩ ኸምኡ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ከም ትትዖ እተገብረ ቘጽሊ ተንጠልጢሉ ነበረ።
30. ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣስራዚ፡ ንእኡ ዚሕዝ ኣርዑት ኣስራዚ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸኣ መናኲብ ነበሮ፡ እቲ መናኲብ ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትትዖ ቘጽሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ።
31. ኣፉ ድማ ብውሽጢ እቲ ጒልላት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓደ እመት ነበረ፡ እቲ ኣፉ ኸኣ ከቢብ ከም ስራሕ እግሪ ዓንዲ፡ እመትን ፈረቓን ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣፉ ድማ ቅርጽታት ነበሮ፡ ክቡሳቱ ኸኣ ኣርባዕተ ጥርዚ ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን።
32. እቲ ኣርባዕተ መንኰርኰር ድማ ብትሕቲ እቲ ኽቡሳት ነበረ፡ መትሓዝ መንኰራዂር ከኣ ኣብቲ መቐመጢ ለጊቡ ነበረ፡ ነናይ ሓደ መንኰርኰር ቊመትውን እመትን ስድርን ነበረ።
33. ስራሕ እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ስራሕ መንኰርኰር ሰረገላ ነበረ፡ መትሓዚኡን ዕንክሊሉን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኲሉ ፍሲ ነበረ።
34. ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣርባዕተ መንኵብ ነበሮ፡ እቲ መንኵብ ምስቲ ሰረት ድማ ብሓደ ነበረ።
35. ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቚመቱ ኸቢብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ከኣ እቲ መደገፊታቱን ክቡሳቱን ምስኡ ሓደ ነበረ።
36. ኣብ ገጽ እቲ መደገፊታቱን ኣብ ክቡሳቱን ከከም ስፍራኡ ብዙርያኡ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ምስ ትትዖ ቘጽልን ቀረጸሉ።
37. ከምዚ ነቲ ዓሰርተ መቐመጢ፡ ንዂሉ ምፍሳሱ ሓደ፡ ልክዑ ሓደ፡ መልክዑ ሓደ ገይሩ ሰርሖ።
38. ዓሰርተ ገበራ ኣስራዚ ድማ ሰርሔ፡ ሓደ ገበራ ኣርብዓ ባት ይሕዝ ነበረ፡ እቲ ገበራታት ሓሓዲኡ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ነቲ ኦኣሰርተ ሰረት፡ ነንሓደ ሰረት ሓደ ገበራ ነበሮ።
39. ነቲ ሰረታት ድማ ሓሙሽተ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብወገን ጸጋም እታ ቤት ኣንበሮ፡ ነቲ ባሕሪ ድማ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ብምብራቕ ደቡብ ኣንበሮ።
40. ሒራም ከኣ ገበራታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን ሰርሔ። በዚ ኸምዚ ሒራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ዂሉ ዕዮ ፈጸሞ።
41. ነቲ ኽልተ ዓንድን ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጒልላት ከበብትን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዚኸድን ክልተ ዓይነ ርግብን፡
42. ናይቲ ኽልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት፡ ነቲ ኸበብቱ ዚኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን፡
43. ድማ ነቲ ዓሰርተ ሰረትን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰረታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡
44. ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን፡
45. ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን፡ እዚ ዂሉ ሒራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ኣቓሑ ኻብ ጽሩይ ኣስራዚ ነበረ።
46. እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ጾርታን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ።
47. ሰሎሞን ድማ ንዂሉ ኸይመዘነ ሐደጎ፡ ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኸኣ ኣይተመርመረን።
48. ሰሎሞን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዂሉ ኣቓሑ ሰርሔ፡ ናይ ወርቂ መሰውእን፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቅን፡
49. ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐነዲል፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም፡ ነቲ ናይ ወርቂ ዕምባባታትን ቅልዒ ቐነዲልን መሳቐይትታን ከኣ፡
50. ነቲ ናይ ጽርይ ወርቂ ጽዋኣትን ካራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ቤት፡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን፡ ናይ መቕደስ መዓጹን ወንድወንዶታት ወርቂ ኸኣ ሰርሔ።
51. እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዐየዮ ዂሉ ዕዮ ኸኣ ተወድኤ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ።

  1Kings (7/22)