1Kings (6/22)  

1. ኰነ ድማ፡ በታ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፡ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ምንጋስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ኣብ ወርሒ ዚፍ፡ ንሳ እታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ምስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ጀመረ።
2. እታ ንጉስ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቤት ድማ ምንዋሓ ስሳ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ዕስራ እመት፡ ቊመታውን ሰላሳ እመት ነበረ።
3. እቲ ኣብ ቅድሚ ቤት መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ምንዋሑ ኸም ምግፋሕ እታ ቤት ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኸም ምግፋሕ እታ ቤት ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ ዓሰርተ እመት ነበረ።
4. ነታ ቤት ድማ ዘይነቓነቕ መሳዂቲ ዓይነ ርጊ ገበረላ።
5. ምስ መንደቕ እታ ቤት ኣጸጊዑ ኸኣ ኣብ ዙርያኣ፡ ኣብ ጸግዒ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ጹርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ክፍልታት ቤት ሰርሔ።
6. እቲ ኣግማል ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕ እታ ቤት ከይተሐዝሲ፡ ኣብቲ መንደቕ እታ ቤት ብግዳም ዙርያኣ ሕድጋት ገበረላ እሞ፡ እታ ታሕተይቲ ኽፍሊ ምግፋሓ ሓሙሽተ እመት፡ እታ ማእከለይቲ ድማ ምግፋሓ ሓሙሽተ እመት፡ እታ ማእከለይቲ ድማ ምግፋሓ ሹድሽተ እመት፡ እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ምግፋሓ ሾብዓተ እመት ነበረ።
7. እታ ቤት ክትስራሕ ከላ ኸኣ፡ ኣብቲ እተዃዕተላ ቦታ ብእተዳለወ ኣእማን ተሰርሔት እሞ፡ ክትስራሕ ከላ ሞደሻዀነ ምሳር ኰነ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ሓጺን ኣብታ ቤት ኣይተሰምዔን።
8. ደገ እታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት ብወገን የማን እታ ቤት ነበረ፡ ናብታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት፡ ካብታ ማእከለይቲ ናብታ ሳልሰይቲ ድማ ብተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ።
9. ነታ ቤት ከኣ ሰርሓ ፈጸማውን። ነታ ቤት ከኣ በግማልን ብኣልዋሕ ቄድሮስን ከደና።
10. ኣብ ብዘሎ ጸግዒ እታ ቤት ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቚመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሔ፡ ምስታ ቤት ከኣ በእዋም ቄድሮስ ኣጋጠምዎ።
11. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መጸ፡
12. ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘሎኻ ቤት፡ ብሕጋጋተይ እንተ ኸድካ፡ ፍርድታተይ ከኣ እንተ ገበርካ፡ ንዂሉ ትእዛዛተይውን ክትከደሉ እንተ ሐሎኻዮ፡ እቲ ነቦኻ ዳዊት እተዛረብክዎ ቓለይ ምሳኻ ኸጽንዖ እየ።
13. ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ክነብር እየ፡ ንህዝበይ እስራኤል ከኣ ኣይሐድጎን እየ።
14. ሰሎሞን ድማ ነታ ቤት ሰሪሑ ፈጸማ።
15. ንመንደቕ እታ ቤት ብወገን ውሽጣ ኸኣ ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ነቲ ውሽጢ ብዕጨይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብኣልዋሕ ጽሕዲ ኸደኖ።
16. ንውሻጠ እታ ቤት ድማ ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕላይ መንደቕ ዕስራ እመት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ፡ እዚ ኸኣ ንቤት ራእይ ኪዀኖ፡ ንቅድስተ ቅዱሳን ሰርሖ።
17. እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ቤት፡ ንሱ ድማ እቲ መቕደስ፡ ኣርብዓ እመት ነበረ።
18. ኣብ ውሽጢ ቤት ከኣ ኣጒማን ክፉት ዕምባባን እተቐርጾ ቄድሮስ ነበረ። እምኒ እኳ ኣይተራእየን።
19. ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣብ ውሽጡ፡ ኣብኡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኬንብረሉ፡ ቤት ራእይ ኣዳለወ።
20. ውሽጢ እቲ ቤት ራእይ ከኣ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ዕስራ እመት፡ ቊመቱውን ዕስራ እመት ነበረ፡ ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጦ፡ ነቲ መሰውኢ ድማ ብቄድሮስ ከደኖ።
21. ሰሎሞን ከኣ ነቲ ቤት ብውሽጡ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ራእይ ድማ ዚጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፡ ብወርቂ ኸኣ ለበጦ።
22. እቲ ቤት ኲሉ ኽሳዕ ዚፍጸም ድማ፡ ንብዘሎ እቲ ቤት ብወርቂ ለበጦ፡ ንዂሉ እቲ መሰውኢ ቤት ራእይውን ብወርቂ ለበጦ።
23. ኣብቲ ቤት ራእይ ከኣ ዓሰርተ እመት ዝቚመቶም ክልተ ኪሩቤል ካብ ኦም ኣውልዕ ገበረ።
24. ሓንቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ድማ ሓሙሽተ እመት፡ ካልአይቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበራ። ካብ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ዓሰርተ እመት ነበረ።
25. እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ዓሰርተ እመት ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኦም ልክዖም ሓደ፡ ስሎም ከኣ ሓደ ነበረ።
26. ቊመት እቲ ሓደ ኪሩቤል ዓሰርተ እመት፡ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ከምኡ ነበረ።
27. ነቶም ኪሩቤል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ውሽጣዊ ቤት ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርግሔን ነበራ፡ ክንፊ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መንደቕ ተንከዮ፡ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከኣ ነቲ ኻልኣይ መንደቕ ተንከዮ፡ ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተታናኸያ።
28. ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም።
29. ኣብ ኲሉ መንደቕ እቲ ቤት ብዙርያ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን ናይ ቅርጺ ምስልታት ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባታትብ ቀረጾ።
30. ነቲ ምድሪ ቤት ከኣ ብውሽጥን ብግዳምን ብወርቂ ለበጦ።
31. ንደገ እቲ ቤት ራእይ ድማ ካብ ኦም ኣውልዕ መዓጹ ገበረሉ፡ ላዕላይ ልዳትን ቀዋሚ ልዳትን ካብቲ መንደቕ ሓምሳይ ኢድ ነበረ።
32. ካብ ኦም ኣውልዕ ክልተ መዓጹ ገይሩ ድማ ኣብኤን ቅርጺ ኪርቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀረጾ፡ ብወርቂውን ለበጠን፡ ነቲ ወርቂ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ኣብ ልዕሊ ስየን ዘርግሖ።
33. ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ራብዓይ ኢድ ዝምርጓዱ ኻብ ኦም ኣውልዕ ልዳውቲ ገበረሉ።
34. ካብ ኦም ጽሕዲ ድማ ክልተ ማዕጾ ገበረ፡ እቲ ሓደ ማዕጾ ኸኣ ክልተ ዚዘውር ክፍሊ ነበሮ።
35. ኣብኡ ድማ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀሪጹ፡ ነቲ ቕርጺ ብወርቂ ኣዳላዲሉ ለበጦ።
36. ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ከኣ ሰለስተ መስርዕ ብጽሩብ እምኒ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ቄድሮስ ሰርሖ።
37. እቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ራብዓይ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ዚፍ ተመስረተ።
38. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ቡል፡ ንሳ ሳምነይቲ ወርሒ፡ እቲ ቤት ብኹሉ ክፍልታቱን ከምቲ እተመደበ ኹሉን ተፈጸም። ብሾብዓተ ዓመት ሰርሖ።

  1Kings (6/22)