1Kings (5/22)  

1. ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ፡ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኺነግስ ከም እተቐብኤ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ሒራም ከኣ ኲሉ ጊዜ ፈታው ዳዊት ስለ ዝነበረ፡ ገላዉኡ ሰደደሉ።
2. ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም በሎ፡
3. ኣቦይ ዳዊት ብሰሪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፡ ንእግዚኣብሄር ንኣታቶም መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚገብሮም፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ኪሰርሕ ከም ዘይተኻእሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።
4. ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዂሉ ዙርያ ኣዕሪፉኒ እዩ፡ ገለ ተጻራሪ የልቦን፡ ገለ ናይ ድንገት ነገር ድማ የልቦን።
5. እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር፡ ነቦይ ዳዊት፡ እቲ ኣብ ክንዳኻ ኣብ ዝፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሓሉ እሐስብ ኣሎኹ።
6. ሕጂ ኸኣ ካባናስ ከም ሲዶናውያን ገይሩ ምቚራጽ ኦም ዚፈልጥ ከም ዜልቦ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ቄድሮስ ኪቘርጹለይ አዝዝ። ገላዎይውን ምስቶም ገላዉኻ ይኹኑ፡ ውዕልለት ገላዉኻ ድማ ከምቲ እትብለኒ ዂሉ ገይረ ኽህበካ እየ።
7. ኰነ ኸኣ፡ ሒራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ተሐጒሱ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዚ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ጥበበኛ ወዲ ዝሀቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ብሩኽ ይኹን፡ በለ።
8. ሒራም ድማ ናብ ሰሎሞን ልኢኹ፡ ብዛዕባ ኣእዋም ቄድሮስን ብዛዕባ ኣእዋም ጽሕድን ኣነ ዂሉ ድላይካ ኽገብር እየ።
9. ገላዎይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኼውርድዎ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ጠሚረ ብባሕሪ ገይረ ናብታ እትልእከለይ ቦታ ኣብጽሔ ኣብኡ ኽፈትሖ እየ፡ ንስኻውን ትወስዶ። ንስኻ ድማ ንቤተይ ምግቢ ብምሃብካ ድላየይ ትገብረለይ፡ በሎ።
10. ሒራም ከኣ ንሰሎሞን ኣእዋም ቄድሮስን ኣእዋም ጽሕድም ዝደለዮ ዘበለ ሀቦ።
11. ሰሎሞን ከኣ ንሒራም ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዕስራ ቆሮስ ጽሩይ ዘይትን ንምግቢ ቤቱ ዚኸውን ሀቦ። ሰሎሞን ንሒራም ዓመት ንዓመት ከምኡ ይህቦ ነበረ።
12. እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ጥበብ ሀቦ። ኣብ መንጎ ሒራምን ሰሎሞንን ከኣ ሰላም ነበረ፡ ክልቲኣቶም ድማ ኪዳን ተኣታተዉ።
13. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ካብ ብዘሎ እስራኤል ሐርዩ ዓየይቲ አከበ፡ እቶም ዓየይቲ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኵኑ።
14. እናባራረየ ድማ በብወርሒ ዓሰርተ ሽሕ ናብ ሊባኖስ ይሰዶም ነበረ። ሓደ ወርሒ ኣብ ሊባኖስ፡ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ነበሩ፡ ኣዶኒራም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓየይቲ ነበረ።
15. ድማ ብዘይ እቶም ነቲ ኣብ ዕዮ ዚዐዪ ህዝቢ ኺእዘዙ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ እተሸሙ ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓላቑ ሹማምንቲ ሰሎሞን ንሰሎሞን ጾር ዚጾሩ ሰብዓ ሽሕ፡ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ ኸኣ ሰማንያ ሽሕ ነበርዎ።
16. ድማ ብዘይ እቶም ነቲ ኣብ ዕዮ ዚዐዪ ህዝቢ ኺእዘዙ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ እተሸሙ ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓላቑ ሹማምንቲ ሰሎሞን ንሰሎሞን ጾር ዚጾሩ ሰብዓ ሽሕ፡ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ ኸኣ ሰማንያ ሽሕ ነበርዎ።
17. ንጉስ ድማ እታ ቤት ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትሲ፡ ገዘፍቲ ኣእማንን ክቡራት ኣእማንን ኪዂዕቱ አዘዘ።
18. እቶም ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ሒራምን እቶም ጊብሳውያንን ኰይኖም ከኣ ንመስርሒ እታ ቤት ኣዕጻውን ኣእማንን ቈረጹን ኣዳለዉን።

  1Kings (5/22)