1Kings (4/22)  

1. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኰነ።
2. ሹማምንቱ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣዛርያ ወዲ ጻዶቅ፡ ካህን፡
3. ኤሎሖረፍን ኣሒያን፡ ደቂ ሺሻ፡ ጸሓፍቲ ነበሩ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ፡ ጸሓፍ ዛንታ፡
4. በናያ ወዲ የሆያድእ፡ ሓለቓ ሰራዊት፡ ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ፡
5. ኣዛርያ ወዲ ናታን ድማ ሓለቓ ሹማምንቲ፡ ዛቡድ ወዲ ናታን ከኣ ንንጉስ ኣማኻሪኡን ፈታዊኡን ነበረ።
6. ኣሒሻር ኣዛዝ ቤት፡ ኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ ድማ ግብሪ ዜኽፍል እዩ ዝንበረ።
7. ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሹማምንቲ ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኺምግቡ መዚ ነበሮም።
8. ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ቤንሑር ኣብ ከረን ኤፍሬም፡
9. ቤን ደቀር ኣብ ማቃዝን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤት ሸመሽን ኣብ ኤሎን ቤት ሓናን፡
10. ቤንሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፡ ሾኮን ብዘላ ምድሪ ሔፍርን ንእኡ ነበረ።
11. ቤን ኣቢናዳብ ኣብ ብዘሎ ሃገር ዶር። ጣፋት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ነበረት።
12. ባዓና ወዲ እሒሉድ ኣብ ታዓናክን መጊዶን ኣብ ብዘላ ምድሪ ሔፍርን ንእኡ ነበረ።
13. ቤንገበር ኣብ ራሞት ጊልዓድ፡ እተን ኣብ ጊልዓድ ዘለዋ ዓድታት ያኢር ወዲ ምናሴ ንእኡ ነበራ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ዕርድታትን መሸጐሪ ኣስራዝን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ዘለዋ ድማ ንእኡ ነበረት።
14. ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ ማሓናይም፡
15. ኣሒዓማጽ ኣብ ንፍታሌም፡ ንሱ ድማ ንባስማት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ።
16. ባዓና ወዲ ሑሻይ ኣብ ኣሴርን ኣብ ዓሎትን፡
17. ዮሳፋጥ ወዲ ጳሩኣሕ ኣብ ይሳኮር፡
18. ሺምዒ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፡
19. ጌበር ወዲ ኡሪ ኣብ ሃገር ጊልዓድ፡ እታ ናይ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ናይ ኦግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ንሱ በይኑ ሹም ነበረ።
20. ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ።
21. ሰሎሞን ድማ ካብቲ ርባ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዂሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶም ንሰሎሞን ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ገጽ በረኸት የምጽእሉን ይግዝእዎምን ነበሩ።
22. ምግቢ ሰሎሞን ከኣ ነንመዓልቲ ሰላሳ ቆሮስ ድኹም ሓሪጭ፡ ስሳ ቆሮስ ድማ ካልእ ሓሪጭ፡
23. ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑርን ዕስራ ኣብዑር ካብ መጓሰይን ሚእቲ በጊዕን ነበረ፡ እዚ ድማ ብዘይ እርባትን ሰሰውሕን ዓጋዝንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ።
24. ንሱ ድማ ነታ ኣብ ክነጀው ርባ ዘላ ዂላ ሃገር፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳዕ ጋዛ ነቶም ክነጀው ርባ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብዂሉ ወገን ሰላም ነበሮ።
25. ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ብኲሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ።
26. ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ ኣርብዓ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛታት ነበርዎ።
27. እቶም ሹማምንቲ እቲኣቶም ድማ ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ናብ መኣዲ ንጉስ ሰሎሞን ዚቐርቡ ዂላቶምን ነፍሲ ወከፍ ወወርሖም ይምግቡ ነበሩ፡ ገለ ነገር እኳ ኣየጒደሉን ነበሩ።
28. ነፍራስን ነቶም ጋለብቲ ኣፍራስን ዚኸውን ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተሰርዖ ስገምን ሓሰርን ናብታ ንሱ ዘለዋ ቦታ የምጽኡ ነበሩ።
29. ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን ሀቦ።
30. ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኲሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኲሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ።
31. ካብ ኲሉ ሰብ ከኣ፡ ካብ ኤታን እቲ እዝራውን ካብ ሄማንን ካልኮልን ዳርዳን፡ ደቂ ማሖል፡ ይጠብብ ነበረ። ስሙ ኸኣ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ወጸ።
32. ሰለስተ ሽሕ ምስላ ድማ መሰለ፡ መዝሙራቱውን ሽሕን ሓሙሽተን ነበረ።
33. ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዚበቊል ስምዕዛ ተዛረበሉ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ።
34. ካብ ኲሎም ህዝብታት ድማ፡ ካብቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዂሎም ነገስታት ምድሪ፡ ጥበብ ሰሎሞን ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ።

  1Kings (4/22)