1Kings (21/22)  

1. ድሕርዚ ነገር እዚ ኸኣ ዀነ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ ኣብ ይዝርኤል፡ ኣብ ጥቓ ኣዳራሽ ኣከኣብ ንጉስ ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።
2. ኣከኣብ ድማ ንናቦት፡ እዚ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ቤተይ እዩ እሞ፡ ኣታኽልቲ ሓምሊ ኪዀነንስ፡ ሀበኒ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፡ ወይስ እንተ ፈቶኻ፡ ገምጋሙ ገንዘብ ክህበካ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
3. ናቦት ድማ ንኣከኣብ፡ እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎ።
4. ኣከኣብ ከኣ በቲ ናባት ይዝርኤላዊ፡ ርስቲ ኣቦታተይ ኣይሀበካን፡ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ጒህዩን ተቘጢዑን ናብ ቤቱ ኣተወ ገጹ ንንየው መሊሱ ኸኣ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ፡ እንጌራውን ምብላዕ ኣበየ።
5. ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ ናብኡ መጺኣ፡ እንጌራ ዘይትበልዕ፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ መንፈስካ ጒህዩ ዘሎ በለቶ።
6. ንሱ ኸኣ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ፡ ብገንዘብ፡ ወይ ንስኻ እንተ ፈቶኻ፡ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይንኻ ሀበኒ፡ ኢለዮ ነበረኩ፡ ንሱ ግና ኣታኽልቲ ወይነይሲ ኣይህበካን እየ፡ ኢሉኒ፡ በላ።
7. ሰበይቱ ኢዛቤል ከኣ፡ ሕጅስ ንስኻ ደይኰንካን ኣብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ ተንስእ፡ እንጌራ ብላዕ፡ ብልኻውን ይተሐጐስ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ፡ በለቶ።
8. ብስም ኣከኣብ ደብዳቤታት ጽሒፋ፡ ብማሕተሙ ድማ ሐቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዚነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን።
9. ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፡ ጾም ኣውጁ፡ ንናቦት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ።
10. ኣብ መንጽሩ ድማ ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ኣቐምጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ፡ ኢሎም ይመስክሩሉ። ኣውጺኦም ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ፡ ዚብል ጽሐፈት።
11. እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብ ከተማኡ ዚቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከኣ ከምቲ ኢዛቤል ዝለኣኸትሎም፡ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም ደብዳቤታት ተጽሒፉ ዝነበረ ገበሩ።
12. ጾም ኣውጆም ንናቦት ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ።
13. እቶም ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፡ እቶም ናይ ብልያል ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ፡ ናቦት ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙ፡ ኢሎም ንናቦት መስከሩሉ። ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ።
14. ሽዑ፡ ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ፡ ሞይቱ፡ ኢሎም ንኢዛቤል ለኣኹላ።
15. ኰነ ኸኣ፡ ኢዛቤል ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዔት፡ ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ ናቦት ብህይወቱ የሎን፡ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ከይህበካ ዝኣበየ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ውረሶ፡ በለቶ።
16. ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ፡ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዔ፡ ኣከኣብ ኪወርሶ ተንሲኡ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ወረደ።
17. ንኤልያስ ቲስቢታዊ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መጾ፡
18. ተንስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዚነብር ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኺወርሶ ኢሉ ዝወረዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ኣሎ።
19. ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ቀቲልካስ፡ ወረስካዮዶ ድማ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ኣብታ ኣኽላባትስ ደም ናቦት ዝለሐሱላ ቦታ፡ ንኣኻ ድማ ደምካ ኣብኣ ኣኽላባት ኪልሕሱ እዮም፡ ኢልካ ተዛረቦ።
20. ኣከኣብ አኣ ንኤልያስ፡ ኣታ ጸላእየይ፡ ረኸብካኒዶ በሎ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ክትገብር ስለ እተሸጥካ፡ እወ ረኺበካ።
21. እንሆ፡ ኣነ ኽፉእ ከምጽኣልካን ክዂስትረካን እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ ፍቱሕ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዚሸይን ዘበለ ኻብ ኣከኣብ ከጽንቶ እየ።
22. ስለቲ ዘቘጣዕካኒ ቚጥዓን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሐትካዮን፡ ንቤትካ ኸም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ።
23. ብዛዕባ ኢዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ንኢዛቤል ኣብ ጸግዒ መካበብያ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም።
24. ካብ ቤት ኣከኣብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ኪበልዓኦ እየን።
25. ሰበይቱ ኢዛቤል ትድርኾ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባርሲ፡ ከም ኣከኣብ ገይሩ እተሸጠ ኣይነበረ።
26. ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ደድሕሪ ጣኦታት ብምስዓቡ ብዙሕ ፍንፋን ነገር ገበረ።
27. ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደድ፡ ስጋኡ ማቕ ከዲኑ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ድማ ደቀሰ፡ ቀስ ኢሉውን ይኸይድ ነበረ።
28. ሽዑ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ቲስቢታዊ መጺኡ በሎ፡
29. ኣከኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሐተስ ርኢኻዲ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሐተ፡ ነቲ ኽፉእ ብዘመኑ ኣየምጽኦን፡ ነቲ ኽፉእስ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸምጽኦ እየ።

  1Kings (21/22)