1Kings (2/22)  

1. ዳዊት ዚሞተላ መዓልቲ ቐረበት እሞ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ጽናዕ፡ ሰብኣይ ከኣ ኹን።
3. እቲ እትገብሮ ዘበለ ዂሉን ገጽካ ኣብ እትመልሰሉን ምእንቲ ኪቐንዓካስ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ምስክሩን ድማ ክትሕሉ፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሐሉ።
4. እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባይ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጽሞ፡ እቶም ደቅኻ ብእምነትን ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኣብ ቅድመይ ኪመላለሱ፡ መገዶም እንተ ሐለዉ፡ ሽዑ ኻብ ዝፋን እስራኤል ሰብ ኣየቋርጸልካን እየ፡ በለኒ።
5. እቲ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፡ እቲ ንኣብኔር ወዲ ኔርን ንዓማሳ ወዲ የተርን፡ ነቶም ክልተ ሓላቑ ሰራዊት እስራኤል፡ ዝገበሮም፡ ንኣታቶም ቀቲሉ፡ ብጊዜ ሰላም ደም ውግእ ኣፍሰሰ፡ ኣብቲ ኣብ ሕቜኡ ዝነበረ ቕናቱን ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ሳእኑን ድማ ደም ገበረ።
6. እምበኣር ከም ጥበብካ ግበር፡ ንሽበቱ ብሰላም ናብ ሲኦል ኣይተውርዶ።
7. ንደቂ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ግና፡ እቲ ኻብ ቅድሚ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሀድም ከሎኹ ቀሪቦምኒ እዮም እሞ፡ ከምኡ ምሕረት ግበረሎም፡ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዚበልዑ ይኹኑ።
8. እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፡ ብዓል ባሑሪም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ንማሓናይም ዝኸድልኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፡ ግናኸ ንሱ ናብ ዮርዳኖስ ወሪዱ ተቐበለኒ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሴፍ ኣይክቐትለካን እየ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐልኩሉ።
9. ሕጂ ኸኣ ብዘይ ቅጽዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ፡ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ ሽበቱ ብደም ለኺኻ ድማ ናብ ሲኦል ኣውርዶ።
10. ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ተቐብረ።
11. እቲ ዳዊት ኣብ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን ሾብዓተ ዓመት ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
12. ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ተቐመጠ፡ ስልጣን መንግስቱውን ኣዝያ ጸንዔት።
13. ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ድማ ናብ ባትሴባ ኣደ ሰሎሞን መጸ። ንሳ ኸኣ፡ ብደሓንዶ መጺእካ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደሓን እየ፡ በላ።
14. ምሳኺ ደኣ ዘረባ ኣሎኒ፡ ድማ በለ። ተዛረብ፡ በለቶ።
15. ንሱ ኸኣ፡ መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፡ ኵሎም እስራኤልውን ኣነ ኽነግሶም ገጾም ኣባይ ከም ዝነበረ። ባዕልኺ ትፈልጢ ኢኺ። እታ መንግስቲ ግና፡ ካብ እግዚኣብሄር ንእኡ ዀይና እያ እሞ፡ ዞይራ ንሓወይ ኰነት።
16. ሕጂ ኸኣ ካባኺ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍርኒ፡ በላ። ተዛረብ፡ በለቶ።
17. ንሱ ድማ፡ ንንጉስ ሰሎሞን፡ንሱ ንገጽኪ ኣየሕፍርን እዩ እሞ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ሰበይተይ ክትከውን ኪህበንስ፡ በጃኺ፡ ተዛረብዮ፡ በላ።
18. ባትሴባ ኸኣ፡ ጽቡቕ፡ ንንጉስ ስሌኻ ኽዛረቦ እየ፡ በለት።
19. ባትሴባ ድማ ብናይ ኣዶንያ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። እቲ ንጉስ ከኣ ኪቕበላ ተንስኤ፡ ኢድ ድማ ነስኣላ፡ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ፡ ነደ ንጉስውን ዝፋን ኣምጽኣላ እሞ፡ ብየማኑ ተቐመጠት።
20. ንሳ ኸኣ፡ ካባኻ ሓደ ንእሽቶ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍረኒ፡ በለቶ። ንጉስ ድማ፡ ኣደየ፡ ገጽኪ ኣየሕፍረክን እየ እሞ፡ ለምኒ፡ በላ።
21. ንሳ ኸኣ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ፡ ንሓውካ ኣዶንያ ትወሀብ፡ በለት።
22. ንጉስ ሰሎሞን ድማ ነዲኡ፡ ንኣዶንያ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት እትልምንሉ ስለምንታይ ኢኺ ንሱ ኻባይ ዚዐቢ ሓወይ እዩ እሞ፡ እዛ መንግስቲውን ለምንሉ፡ ንእኡ፡ ንኻህን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ወዲ ጽሩያን ከኣ፡ ኢሉ መለሰላ።
23. ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኣዶንያ እዚ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ነፍሱ እንተ ዘይኰይሁ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ ኸምዚውን ይወስኸኒ። ሕጂ ኸኣ እቲ ዝመደበኒ፡ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊትውን ዘቐመጠኒ፡ ከምቲ እተዛረቦ ድማ ቤት ዝሰርሓለይ እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኺመውት እዩ፡ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለ።
24. ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኣዶንያ እዚ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ነፍሱ እንተ ዘይኰይሁ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ ኸምዚውን ይወስኸኒ። ሕጂ ኸኣ እቲ ዝመደበኒ፡ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊትውን ዘቐመጠኒ፡ ከምቲ እተዛረቦ ድማ ቤት ዝሰርሓለይ እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኺመውት እዩ፡ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሐለ።
25. ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንበናያ ወዲ የሆየዳ ሰደዶ፡ ንሱ ድማ ወቕዖ፡ሞተ ኸኣ።
26. ንጉስ ከኣ ንኻህን ኣብያታር፡ ንስኻ ሞት ዚግብኣካ ሰብ ኢኻ፡ ግናኸ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ፡ ኣብ ኲሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፡ ሎሚ ኣይቐትለካን እየ እሞ፡ ናብ ግራውትኻ፡ ናብ ዓናቶት ኪድ፡ በሎ።
27. በዚ ኸምዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ ኣብ ሺሎ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ካብ ምዃን ሰዐሮ።
28. ዮኣብ ድማ፡ ምንም እኳ ንኣቤሴሎም እንተ ዘይሰዐበ፡ ንኣዶንያ ስዒቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ወረ ኣብ ዮኣብ ምስ መጸ፡ ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ሀዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ቐጥ ኣቢሉ ሐዘ።
29. ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሀደመን ኣብ ጥቓ መሰውኢ ድማ ከም ዘሎን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ነገርዎ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያ ወዲ የሆያዳ፡ ኬድካ ቕተሎ፡ ኢሉ ሰደዶ።
30. በናያ ኸኣ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር መጺኡ፡ ንጉስ፡ ውጻእ፡ ይብል ኣሎ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ ኣብዚ ደኣ እመውት፡ በለ። በናያ ድማ፡ ዮኣብ ከምዚ ተዛሪቡኒ፡ ከምዚውን መሊሱለይ፡ ኢሉ እቲ ነገር ንንጉስ መለሰሉ።
31. ንጉስ ከኣ፡ ከምቲ ዝበሎ ግበር፡ ውደቆ እሞ ቅበሮ፡ ነቲ ዮኣብ ዘፍሰሶ ንጹህ ደም ካባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ።
32. ነቶም ካብኡ ዚጸድቁን ዚሕሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፡ ንኣብኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓማሳ ወዲ የተር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፡ ኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ፡ ወቒዑ ብሴፍ ስለ ዝቐተሎም፡ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊ ርእሱ ይምለሰሉ።
33. እወ፡ ደሞም ንዘለኣለም ናብ ርእሲ ዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ይመለስ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዝፋኑን ግና ካብ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ሰላም ይኹን፡ በሎ።
34. ሽዑ በናያ ወዲ የሆያዳ ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ቤቱ ኣብ በረኻ ኻ ተቐብረ።
35. ንጉስ ድማ ኣብ ክንዳኡ ንበናያ ወዲ የሆየዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ንኻህን ጻዶቅ ከኣ እቲ ንጉስ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ገበሮ።
36. እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ ኣብ የሩሳሌም ቤት ሰሪሕካ ኣብኣ ተቐመጥ፡ ካብኣ ድማ ናብዝን ናብትን ኣይትውጻእ።
37. ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ወጺእካ ንርባ ቄድሮን እትሳገረላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ ይኹን፡ በሎ።
38. ሺምዒ ኸኣ ንንጉስ፡ ጽቡቕ ዘረባ እዩ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ፡ ጊልያኻ ኸምኡ ይገብር፡ በሎ። ሺምዒ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ።
39. ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ገላዉ ሺምዒ ናብ ኣኪሽ ወዲ ማዓካ፡ ንጉስጋት፡ ሀደሙ። ንሸምዒ ድማ፡ ገላዉኻ እነዉ ኣብ ጋት፡ ኢሎም ነገርዎ።
40. ሽዑ ሺምዒ ተንስኤ፡ኣድጉ ጽዒኑ ነቶም ገላዉኡ ኺደልዮም ናብ ኣኪሽ ናብ ጋት ከደ። ሺምዒ ኸይዱ ነቶም ገላዉኡ ኻብ ጋት ኣምጽኦም።
41. ሺምዒ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋት ከይዱ ኸም እተመልሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ።
42. እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ በታ ወጺእካ ናብዝን ናብትን እትኸዳላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣሰሚዔልካንዶ ኣይነበርኩን ንስኻውን፡ እዚ ዝሰማዕክዎ ዘረባ ጽቡቕ እዩ፡ በልካኒ።
43. ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለምንታይ ኢኻ ዘይሐሎኻዮ በሎ።
44. ንጉስ ድማ ንሺምዒ፡ እቲ ልብኻ ዚፈልጦ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዂሉ ኽፉእ ነገር ባዕልኻ ትፈልጦ ኣሎኻ። እቲ ኽፍኣትካ ድማ እግዚኣብሄር ናብ ርእስኻ ይምለሰልካ።
45. ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ይኹን፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ጽኑዕ ይኹን፡ በሎ።
46. ንጉስ ድማ ንበናይ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፡ ንሱ ወጺኡ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ። እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዔት።

  1Kings (2/22)