1Kings (18/22)  

1. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ንኤልያስ፡ ኬድካ ንኣከኣብ ተርኣዮ እሞ፡ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ።
2. ኤልያስ ከኣ ንኣከኣብ ኪርእዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ።
3. ኣከኣብ ድማ ንኦብድያ ኣዛዝ ቤቱ ጸውዖ። ኦብድያ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡
4. በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ጊዜ፡ ኦብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱ፡ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሐብኦም፡ እንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ።
5. ኣከኣብ ከኣ ንኦብድያ፡ ኲለን እንስሳ ኸይጠፍኣናስ፡ ኣብዛ ሃገር ናብ ኲሉ ዓይኒ ማያትን ኣብ ኲሉ ርባታትን ኪድ፡ ምናልባሽ ሳዕሪ ንረክብ እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ነድሕን፡ በሎ።
6. ኪዀልዋ ድማ፡ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣከኣብ ንበይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ፡ ኦብድያውን ንበይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ።
7. ኦብድያ ኣብ መገዲ ኸሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤልያስ ተጓነፎ፡ ኣለልይዎ ድማ ብገጹ ፍግም ኢሉ፡ ንስኻዶ ጐይታይ ኤልያስ ኢኻ በለ።
8. ንሱ ድማ በሎ፡ እወ፡ ኣነ እየ። ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ፡ በሎ።
9. ንሱ ኸኣ በለ፡ ኪቐትለንስ ንጊልያኻ ኣብ ኢድ ኣከኣብ ኣሕሊፍካ እትህበኒ፡ እንታይ ሓጢኣት ገይረ እየ
10. ጐይታይ ኪደልየካ ኢሉ ዘይለኣኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዜልቦ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ። የሎን፡ ምስ በሉ ኸኣ፡ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሐሎም።
11. ሕጂ ድማ ንስኻ፡ ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ።
12. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ኣነ ኻባኻ ምስ ከድኩ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፡ ኣነ ድማ ኣትየ ንኣከኣብ እነግሮ፡ እንተ ዘይረኸበካ ኸኣ፡ ኪቐትለኒ እዩ። ጊልያኻ ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ እየ።
13. በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ጊዜ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሐቢኤ እንጌራን ማይን ከም ዝመገብክዎምሲ፡ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም
14. ሕጂ ኸኣ ንስኻ፡ ናብ ጐይታኻ ኼድካስ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ። ኪቐትለኒ ኸኣ እዩ፡ በለ።
15. ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ሎሚ ኸም ዝርኣዮ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡ በለ።
16. ኦብድያ ኸኣ ንኣከኣብ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ነገሮ ድማ። ኣከኣብ ከኣ ንኤልያስ ኪቃባበሎ ኸደ።
17. ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ንኤልያስ ምስ ረኣዮ፡ ኣከኣብ፡ እቲ ንእስራኤል እተዕገርግር ንስኻ ዲኻ በሎ።
18. ንሱ ድማ፡ ንስኻን ቤት ኣቦኻን ትእዛዝት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ደድሕሪ በዓል ብምስዓብካን እምበር፡ ኣነስ ንእስራኤል ኣየዕገርገኩን።
19. ሕጂ ኸኣ ንብዘሎ እስራኤልን ነቶም ኣብ መኣዲ ኢዛቤል ዚበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነብያት ኣስታርተን ልኢኽካ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣክበለይ፡ በለ።
20. ኣከኣብ ድማ ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ልኢኹ ነቶም ነብያት ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣከቦም
21. ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ፡ ክሳኦ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲእች ወገን እትሕንክሱ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ሰዐቡ፡ በዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግናሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን።
22. ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣሎኹ፡ ነብያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም።
23. እምብኣር ክልተ ዝራብዕ ይሀቡና እሞ፡ ሓደ ዝራብዕ ንኣታቶም ዚኸውን ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ የንብርዎ፡ ሓዊ ግና ኣይእጐዱሉ። ኣነ ድማ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ኣሰናድየ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ኤንብሮ፡ ሓዊ ኸኣ ኣይኣጒደሉን።
24. ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፡ ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለል እየ። እቲ ብሓዊ ማልሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ፡ ንሱ ኣምላኽ ይኹን፡ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ እዚኣስ ጽብቕቲ ዘረባ እያ፡ ኢሎም መለሱ።
25. ኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓል፡ ንስኻትኩም ትበዝሑ እሞ፡ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሐሪኹም ኣሰናድዉ፡ ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ፡ በሎም።
26. ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሀብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፡ ኣሰናድዮም ከኣ፡ ዎ በዓል፡ ምላሽ ሀበና፡ እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳኦ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ ድምጺ ኣይነበርን፡ ዚመልስውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናሰረሩ ይዞርዎ ነበሩ።
27. ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኤልያስ፡ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ይሐስብ ከይህሉ፡ ወይስ ኣግሊሱ ወይ ገሹ ኸይከውን፡ ምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይህሉ፡ ምእንቲ ኺባራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ፡ ኢሉ ኣላገጸሎም።
28. ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ፡ ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳኦ ዚፈስስ፡ ንኣካላቶም በስያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ።
29. ኰነ ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሐለፈ፡ ክሳዕ እታ መስዋእቲ ብልዒ ዚስውኣላ ጊዜ ይንበዩ ነበሩ፡ ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዚመልስውን ኣይነበረ፡ ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን።
30. ሽዑ ኤልያስ ንዂሎም ህዝቢ፡ ናባይ ቅረቡ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ብዘለዉ ናብኡ ቐረቡ። ንሱ ኸኣ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሐደሶ።
31. ኤልያስ ድማ ከም ቊጽሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፡ ዓሰርተው ክልተ ስምካ፡ ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ዝመጾ እዩ።
32. በቲ ኣእማን ከኣ ብስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ክልተ መስፈር ዘርኢ ዚሕዝ ጒድጓድ ኰዐተ።
33. ነቲ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፎ፡ ነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ ኣንበሮ።
34. በለውን፡ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሐርር መስዋእትን ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይትን ኣፍስሱሉ፡ ካልኣይ ከኣ ግበሩ፡ በለ። ካልኣይ ድማ ገበሩ። ሳልሳይውን ወሰኹ።
35. እቲ ማይ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ወሐዘ፡ እቲ ጒድጓድ ድማ ማይ መልኤ።
36. ኰነ ድማ፡ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚቕረበላጊዜ ነብዪ ኤልያስ ቀሪቡ፡ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፡ ነዚ ዂሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ፡ ሎሚ ኣፍልጥ።
37. እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስ፡ ምላሽ ሀበኒ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምላሽ ሀበኒ፡ በለ።
38. ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወረደ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፡ ነቲ ኣብ ጒድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ።
39. ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ብገጾም ተደፊኦም፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ እምላኽ፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ በሉ።
40. ኤልያስ ድማ፡ ንነብያት በዓል ሐዝዎም፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይምለቚ፡ በሎም። ሐዝዎም ከኣ። ኤልያስ ድማ ናብ ርባ ቂሶን ኣውሪዱ፡ ኣብኡ ሐረዶም።
41. ኤልያስ ከኣ ንኣከኣብ፡ ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ኣሎ እሞ፡ደዪብካ ብላዕን ስተን፡ በሎ።
42. ሽዑ ኣከኣብ ኪበልዕን ኪሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ።
43. ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕክዱ፡በሎ። ድዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለስ፡ በለ።
44. ኰነ ድማ፡በታ ሳብዐይቲ ጊዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባሕሪ ትለዐል ኣላ፡ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ደዪብካ ንኣከኣብ፡ ዝናም ከይዐግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎ።
45. ኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ ብደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ፡ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ።
46. ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት እሞ፡ ሕቜኡ ተዐጡቑ፡ ክሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዜእቱ፡ ቀቅድሚ ኣከኣብ ይጐዪ ነበረ።

  1Kings (18/22)